ወጥሪ ዩክሬን፡ ‘ተወሳኺ ማዕቀብ ርክብና ክበትኽ ይኽእል እዩ’ - ፑቲን

ፕረዚደንት ፑቲንን ባይደንን

ምንጪ ስእሊ, The White House via Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲንን ባይደንን

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብጉዳይ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተወሳኺ ሓድሽ ማዕቀብ ምንባር፡ ምስ ኣመሪካ ዘለዎም ርክብ ሙሉእ ብሙሉእ ክቋረጽ ክገብር ከምዝኽእል ንመዘንኡ ጆ ባይደን ገሊጽሉ፡፡

ፑቲን ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ዘተ፡ ማዕቀብ ምንባር ‘‘ከቢድ ስሕተት እዩ’’ ኢሉ፡፡

ፕረዚደንት ባይደን ብወገኑ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር እንተደኣፈጺማ ኣመሪካን መሻርኽታን ወሳኒ ግብረ መልሲ ከምዝህባ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ብሕቶ ሩስያ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ዘተ፡ ኣብዚ ወርሒ ንካልኣይ ግዘ ዝተኻየደ ኮይኑ ኣስታት ሓደ ሰዓት ዝወሰደ እዩ፡፡

እቲ ዘተ ኣካል እቲ ሩስያ ምስ ዩክሬን ኣብ ዘዋስና ከባቢ ሰራዊታ ድሕሪ ምስፋራ ዝተፈጠረ ወጥሪ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እዩ፡፡

ሰብ መዚ ዩክሬን፡ ሩስያ ኣስታት 100,000 ሽሕ ሰራዊት ናብ ምብራቓዊ ዶብ እታ ሃገር ከምዘጸገዐት እዮም ዝገልጹ፡፡

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ሩስያ ሰራዊታ ኣብ ዶብ እተን ሃገራት ትእክብ ከምዘላን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ሰፊሕ ወራር ክትፍጽም ከምእትኽእልን ንፓርላማ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

እቲ ምትእኽኻብ ሰራዊት ንሃገራት ምዕራብ ዘሻቐለ ኮይኑ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩከሬን መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ኣመሪካ ‘‘ተራእዩ ዘይፈልጥ’’ ማዕቀብ ከምእተንብረላ ንፑቲን ኣፍሊጣቶ እያ፡፡

ሰራዊታ ንታዕሊም እምበር ንወራር ከምዘይተንቀሳቐሱ ትገልጽ ሩስያ ብወገና ካብ ኔቶ ክፍጸማ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል እትወስዶ ምድላው ከምዝኾነ እያ እትገልጽ፡፡

ዋላኳ ኣብቲ ዘተ እቶም መራሕቲ ንሓደሕዶም እንተኣጠንቀቑ፡ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወጻኢ ሩስያ ዩሪ ዩሻኮቭ ግን ፕረዚደንት ፑቲን በቲ ዘተ ሕጉስ ከምዝነበረ ተዛሪቡ፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ጻዕዳ ቤተ መንግስቲ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ ዘተ ለውጢ ዘምጽእ ወጥሪ ምስዝሃድእ ጥራሕ ምዃኑ ምግላጹ ሓቢሩ፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ጀኔቫ ብኣካል ክራኸቡ ቆጸሮ ከምዝሓዙ እውን ተገሊጹ ኣሎ፡፡

ቅድሚ እቲ ናይ ብሓሙስ ዘተ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንባይደን ኣብ ዝለኣኾ ናይ ዓመት በዓል መልእኽቲ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ‘‘ ብምክብባርን ናይ ክልቲኦም ብሄራዊ ጥቕሚ ብዝሕሉ መንገድን’’ ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ምእማኑ ገሊጹ ነይሩ፡፡