ሩስያ ንዩክሬይን ንምውራር 70 ሚኢታዊት ምድላው ከምዝገበረት ኣመሪካ ገሊጻ

ዩክሬይን

ምንጪ ስእሊ, TASS/Getty image

ሩስያ ኣብ መጻኢ ሒደት ሰሙናት ንዩክሬይን ክትወርር 70 ሚኢታዊት ኣጽዋራታ ገጣጢማ ተዳልያ ከምዘላ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ እሙናት ምንጭታት ጠቒሶም ተዛሪቦም።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ እቲ ባይታ ብሕሱም ሓያል ቀዝሒ ከምዝተርርን ዝገለጸ ሐደ ሽሙ ዘይተገለጸ በዓል ስልጣን፡ እዚ ድማ ሩስያ ከበድቲ ኣጽዋር ክተጓዓዕዝ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥረላ ገሊጹ፡፡

ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ጥቓ ዶባት ዩክረይን ዘጸገዐት ሩስያ፡ ‘ንዩክሬይን ክተጥቅዕ እያ’ ዝብል ክሲ ኣይትቕበሎን።

ሰብ ስልጣን ኣመሪካ’ውን ነቲ ክሶም መረዳእታ ከቕርቡ ኣይከኣሉን።

ንሳቶም፡ እቲ ሓበሬታ ብስለያ ዝተኣከበ ምዃኑ ዝገልጹ ኾይኖም ዝርዝር ጉዳያት ግን ‘ተዃሳሓይ ሓበሬታ’ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ክገልጹ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ጸብጺበን።

እንተኾነ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብሓቂ ንዩክሬይን ክወርር ከምዝወሰነ ኣይንፈልጥን ኢሎም ነይሮም፤ ሕዚ’ውን ዲፕሎማስያዊ መገዲ ክፍታሕ ተኽእሎ ከመዘሎ ብምሕባር።

እቶም ስሞም ዘይተጸርሐ ክልተ ሰብ ስልጣን ኣመሪካ ንሮይተርስ ከምዝበልዎ ግና ካብ ፍርቂ ለካቲት ጀሚሩ ካሳብ ወርሒ መጋቢት ዘሎ ወቕቲ ከበድቲ ኣጽዋራት ንምግዓዝ ኣዝዩ ምቹው ኩነታት ክፈጥር ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እቶም ሰብ ስልጣን፡ ሩስያ ንዩክሬይን እንተወሪራታ ክሳብ 50 ሽሕ ሰላማዊ ዜጋታት ህይወቶም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ገለ ጸብጻባት ጸሪሖም ኣጠንቂቖም።

ከምኡ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስተኸፍተ ኣብ ሒደት መዓልታት ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ኪይቭ ኣብ ኢድ ሩስያ ክትውዕል ከምእትኽእልን ሚልዮናት ንክስደዱ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእልን ወሲኾም ገሚቶም።

እዚ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኣውሮጳ ሓያል ቅልውላው ስደተኛታት ከየስዕብ ተሰጊኡ ኣሎ።

ነቲ ኣብኡ ዓስኪሩ ዘሎ ሓይሊ ምዕራባውያን ኔቶ ንምድንፋዕ ተወሰኽቲ ሓይልታት ኣመሪካ ናብ ፖላንድ በጺሖም ኣለዉ።

እቲ ፈላማይ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ሎሚ መዓልቲ ሰንበት ሬስዠው ኣብ ዝተብሃለ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር በጺሑ ኣሎ።

ምምሕዳር ባይደን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብውሕዱ ልዕሊ 3 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ከምዘግዕዝ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ዩክረይንን ሃገራት ምዕራብን፡ መንግስቲ ሩስያ ወራር ክፍንው እዩ ዝብል ስግኣት ኣሻቒሉወን ይርከብ።

እዚ ወጥሪ፡ ሩስያ ንክሪምያ ጎቢጣ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ደማዊ ውግእ ዘካየደ ዕጡቕ ምድጋፋን ስዒቡ፡ ድሕሪ 8 ዓመት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሞስኮ መስ መንግስቲ ዩክረይን ዝተፈረመ ውዕል ሚንስክ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ስምምዕ ኣፍሪሱ ኢሉ ትኸስስ።

እቲ ውሽጣዊ ስምምዕ፡ መንግስቲ ዩክሬይን ኣብቲ ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ተቖጻጺሮምዎ ዝነበሩ ምብራቓዊ ዞባ ሰላም ከዕስል ዝብል ሓላፍነት ዝርከቦ ኾይኑ በቲ ጎንጺ ልዕሊ 14 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ መረዳእታ ይሕብር።

ብቐንዱ ድማ፡ ሩስያ ዩክሬይን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ኔቶ ከይትጽንበር ትጠልብ ኣላ።

እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝፍጠር ዘሎ ንሕንሕ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝጀመረ ኾይኑ፡ ሕዚ’ውን ክልቲአን ሃገራት እቶም ኣዝዮም ከበድቲ ኣጽዋራት አብ ኢዶም ከምዝርከብ እዩ ዝዝረብ።

ዩክሬይን ኣብቲ እዋን ኣካል ግዝኣት እታ ኮሚኒስት ሕብረት ሶቬት እያ ነይራ።