ወጥሪ ዩክሬን፡ ሩስያ ምስ ኔቶ ድሕሪ ምዝታያ ወሳኒ ምርጫ ገጢምዋ ከምዘሎ ኣሜሪካ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ምክትል ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢኣሜሪካ ዊንዲ ሸርማን፡ ሩስያ ዲፕሎማስን ምስ ምዕራብ ምፍጣጥን ዝብሉ ኣማራፅታት ከምዘለዋ ብምግላጽ ሓዲኡ ክትመርጽ ከም ዘለዋ ኣጠንቂቓ።
ንሳ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶን ሩስያን ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እያ ነዚ ዝበለት።
ነቲ ንዩክሬን ብዝምልከት ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ሰለስተ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ተኻዪዱ ኣሎ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ግሩሽኮ ብወገኑ፡ ሞስኮ ናታ ጠለባት ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ ኔቶ ኣብ ክንድኣ ኮይኑ ናይ ምምራጽ መሰል ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።
ሓደ ካብቲ ብሩስያ ዝቐርብ ዘሎ ጠለባት፡ ዩክሬን ንወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ክትጽምበር የብላን ዝብል እዩ።
ኣስታት 100,000 ዝኸውን ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶባት ዩክሬን ተጸጊዑ ምህላው ክግለጽ እንከሎ፡ ሩስያ ወራር ከይትፍጽም ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኔቶ ፖሊሲ ክፉት ኣፍደገ ከምዘለዎ ዘዘኻኸረት ዊንዲ ሸርማን፡ ኣሜሪካ ኮነት ካልኦት ኣባል ሃገራት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ንዩክሬን ኣገዲደን ኣባል ከምዘይገብርኣ ሓቢራ።
እንተኾነ ግና ምርድዳኣት ክካየደሉ ዝኽእል ሸነኻት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ሩስያ እንታይ ከም እትደሊ ክትውስን ከምዘለዋ ሓቢራ።
“ቅድሚ ኹሉ፡ ሩስያ ክትውስኖ ዘለዋ እቲ ዘገድሳ ጸጥታ ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ ናብ ጽምዶ ክትኣቱ እዩ ዘለዋ፤ ወይሲ መመኽነይታ እዩ።”
ንሳ ወሲኻ፡ ኣሜሪካን ኔቶን ንኹሉ ክኽሰት ዝኽእል ይዳለዉ ምህላዎም ገሊጻ።
ሩስያ ንምስፍሕፋሕ ኔቶ ናብ ምብራቕ ዝቃወምን እቲ ኪዳን ካብ ከባቢ ዶባታ ክርሕቕን ዝሓቱ ጠለባት እያ ኣቕሪባ።
ኔቶ ነቲ ጠለባት ክነጽጎ እንከሎ ብዛዕባ ምቁጽጻር ኣጽዋርን ንወተሃደራዊ ልምምዳት መግትኢ ምግባርን ዝብሉ ዝርከብዎም ካልእ ዛዕባታት ግና ንምዝርራብ ድልው ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ኔቶ ኣብ 1949 ዝተመስረተ 30 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ወተሃደራዊ ኪዳን እዩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ብራስለስ ቤልጅዩም ዝተኻየደ ዘተ መብርሂ ዝሃበ ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ግሩሽኮ፡ ነቲ ድሮ ሓርፊፉ ዘሎ ዝምድናታት ምብእኣስ ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክግመት ዘይኽእል ሳዕቤናት ከምጽእ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።




![ዌንዲ ሸርማን [ጸጋም] ሰርጌ ሬያብኮቭ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/BD6E/production/_122649484_hi073025674.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







