ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ሃቐነ ከምዘይብላ ንኣመሪካ ገሊጻትላ
![ዌንዲ ሸርማን [ጸጋም] ሰርጌ ሬያብኮቭ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/BD6E/production/_122649484_hi073025674.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብ መዚ ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ሃቐነ ከምዘይብላ ሰብ መዚ ሩስያ ገሊጾም።
እቶም ሰብ መዚ ትማሊ ሰኑይ ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደ ክልትኣዊ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ ክልቲኦም ወገናት ወጥሪ ዘህድእ ስጉምትታት ክወስዱ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ገሊጾም ኣለዉ።
እንተኾነ እቲ ወጥሪ ዘህድእ ስጉምትታት ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ኣይተገለጸን ዘሎ።
ኣስታት 100 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ኣብቲ ንሩስያ ምስ ዩክረይን ዘዳውባ ቦታታት ዓሪዱ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ።
ካብዚ ብምብጋስ ምዕራባውያን ሃገራት: ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ውጥን ከምዘለዋ ከጋውሓ ይስማዓ'የን።
ኣሜሪካ፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እንተፈቲና ሰፍ ዘይብል እገዳ ክግበረላ ምዃን ብተደጋጋሚ ከተጠንቕቕ ጸኒሓ'ያ።
ሩስያ ብወገና፡ እቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝገበርኦ ዝኾነ ዓይነት ምትእትታው 'መዘዙ ከቢድ ክኸውን'ዩ' ክትብል ጸኒሓ እያ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌ ርያብኮቭ ድሕሪ እቲ ኣኼባ "ንዩክረይን ናይ ምጥቃዕ ውጥንን ሃቐንን ከምዘይብልና ገሊጽናሎም ኣለና" ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ "ኩሉ እቲ ንገብሮ ዘለና ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምዳት ኣብ ውሽጢ ዶብና ኢና ንገብሮ ዘለና፡ ስለዚ ዝኾነ ዘስግእ ነገር ከምዘየለ ገሊጽናሎም ኢና" ኢሉ።
ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ዊንዲ ሸርማን ብወገና ነቲ ዘተ 'ቅንዕና ዝነበሮ'ዩ' ብምባል፡ ንሓድሕዶም ንክረዳድኡ ዘለዎም ስክፍታ ንኽገልጹን ባይታ ዘጣጠሐ ከምዝነበረ ገሊጻ።
ዊንዲ ሸርማን፡ ኣሜሪካ ነቲ ብሩስያ ዝቐረበ፡ ዩክረይን ኣካል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ክትከውን የብላን ዝብል ጠለብ ከምዝነጸገቶ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብመሰረት ዊንዲ ሸርማን ዝሃበቶ ሓበሬታ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ሩስያ ናብ ዩክረይን ገጻ ወራር እንተፈቲና "ልዕሊ እቲ ኣብ 2014 ዝርኣይዎ ሳዕቤናት ክመጸኩም እዩ" ከምዝበልዎም ኣብሪሃ።
እቲ ኣሜሪካ ክትወስዶ ትኽእል ስጉምትታት፡ እገዳ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ጽላታት ሩስያ፡ ምቁጽጻር ሰደዳት ሩስያ፡ ምድልዳል ሓይሊ ኔቶን ንዩክረይን ዝውሃብ ደግፍ ምሕያልን ዘጠቓለለ ክኸውን ከምዝኽእል ዊንዲ ሸርማን ገሊጻ።
ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣሜሪካን ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባለት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን እታ ቀንዲ ዛዕባ ዝኾነት ዩክረይንን ዘይምስታፎም ምዕዝምዛማት ፈጢሩ ኣሎ።
ብሰኑይ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጆሴፍ ባሮል፡ ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ውጥን ከምዘለዋ ብርእሰ ተኣማንነት እዩ ገሊጹ "100 ሸሕ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክረይ ኣለዉ፡ መቸም ናብቲ ዶብ ቡን ክሰትዩ ኣይኮኑን መጺኦም" ኢሉ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀምስ ላንዳለ ግን ክልቲኤን ሃገራት [ኣሜሪካን ሩስያን] ዘለወን ኣፈላላይ ንምጽባብ ብዙሕ ከምዝተርፈን እዩ ዝገልጽ።
ኣሜሪካ፡ ነገራት ናብ ንቡር ክምለስ እንተኾይኑ፡ ሩስያ ወተሃደራታ ካብ ዶብ ዩክረይን ከተርሕቕ እያ ከም ቅድመ ኩነት ተቕርብ፡ ሩስያ ኸኣ 'ኣብ መሬተይ'የ ዘለኹ' ብምባል ነግ ፈረግ ዘይብል መርገጺ እያ ሒዛ ዘላ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንዩክረይን ኣባሉ ከይገብራ ንዝብል ሩስያ ዘቕረበቶ ቅድመ ኩነት ኣሜሪካ ብትሪ እያ ትነጽጎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







