ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ዓባይ ብሪጣንያ ኣጠንቂቓ

ወተሃደር ሩስያ ኣብ እዋን ተዓሊም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደር ሩስያ ኣብ እዋን ተዓሊም

ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ፡ ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ኣጠንቂቓ።

ንሳ ጉጅለ ሃገራት 7 [G7] ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝገብርኦ ኣኼባ፡ ሓድነተን ብምትራር ሩስያ ንዩክረይን ክተወራ እንተፈቲና “ግጉይ ስትራተጂ” ምዃኑ ከርእያ እየን ኢላ።

ሚነስተር ሊዝ ትሩስ፡ ዓባይ ብሪጣንያን መሻርኽታን “ሩስያ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ንኸይትወስድ ክገትእኣ’የን” ኢላ።

ልዕሊ 90 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ናብ ምብራቓዊ ዶባት ዩክረይን’ኳ ተጸጊዑ እንተሎ፡ ሩስያ ግን ንዩክረይን ናይ ምውራር ሃቐነ ከምዘይብላ’ያ ትገልጽ።

ኣመሪካ’ውን ኣቐዲማ ብተመሳሳሊ ንሩስያ ኣጠንቂቓታ ምናባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሚኒሰትር ሊዝ ትሩስ “ሩስያ ነዚ ወራር እንተፈጺማቶ፡ ዓቢ ስትራተጂካዊ ጌጋ ክኸውን እዩ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ሩስያ ከቢድ መዝዝ ክወርዳ’ዩ” ኢላ።

ሚኒስተር ሊዝ ትሩስ 10 ታሕሳስ 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ሊዝ ትሩስ

ዩክረይን ምስ ሩስያን ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ትዳወብ ሃገር ኮይና፡ ኣቐዲማ ኣባል ህብረት ሶቭየት ስለዝነበረት ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝኾነ ማሕበራውን ባህላውን ርክባት ዘለዋ ሃገር እያ።

እንተኾነ፡ ሩስያ ንዩክረይን ባሕጫሪ ዝኾነ ስጉምትታት ብምውሳድ፡ ሰራዊት ኪዳን ሰሙን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣብ ምብራቃዊ ዶባታ ክዕስክሩ ፈቒዳን ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ከበድቲ ኣጽዋርት ተጸግዕ ኣላን ብምባል እያ ተኸሳ።

ቅድሚ ሃገራት ጉጅለ7 ኣኬባ ምጅማረን ሚኒሰተር ትሩስ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ዲሚትሪ ኩለባ ኣብ ሎንደን ከምዝተዘራረበት ተሓቢሩ ኣሎ።

ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ድዩ ተባሂሉ ንዝቀረበላ ሕቶ፡ ምኒስተር ትሩስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ዩክረይን “ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን” ትሰርሕ ምንባራ ገሊጻ።

ብምስዓብ “ንዩክረይን ሓገዛት ንህባ ኢና፡ ኣብ ጸዓታዊ ጉዳይ ኣብ ሩስያ ጥራይ ከምዘይምርኮሱ ንገብር ኣለና፡ ብኸምኡ ኢና ድማ ንዩክረይን ንሕግዝ” ኢላ።

ሚኒስተር ሊዝ ትሩስ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ምዕራባዊ ቁጠባ ኣብ ሩስያ ብውሑድ ዓቐን ጥራይ ከምዝምርኮስ ኣብ ምግባር ይስራሕ ምህላዉ’ውን ሓቢራ።

ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ እቲ ካብ ሩስያ ናብ ጀርምን ዝዝርጋሕ ‘ኖርድ ስትሪም 2’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጋዝ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከምዝኽእል ሚኒስተር ሊዝ ትሩስ ገሊጻ።

ነዚ ዝምልከት ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ዝገብርኦ ኣኼባ ብሰፊሑ ክዝተየሉ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲንን’ውን ነዚ ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቶም ብሰሉስ ብቪድዩ ኣኼባ ከምዘካየዱ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ዝርርቦም፡ ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እንተፈቲና “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፍለጥ ተሪር ቁጠባዉ ሳዕቤናት” ክህልዎ ምዃኑ ጆ ባይደን ንፑቲን ገሊጽሉ ነይሩ።