ሩስያ-ዩክረይን፡ ሰርጌ ላቭሮቭ ናብ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ምምላስ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

ኣንቶኒ ብሊንከን ምሰ ሰርጌ ላቭሮቭ ስቶክሆልም ሽወደን 2 ታሕሳስ 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ሩስያን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ኣውሮጳ ናብ "ዘባህርር ወተሃደራዊ ምፍጣጥ" ትምለስ ከይትህሉ ኣጠንቂቑ።

ሚስተር ላቭሮቭ ኣብቲ ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ጉባኤ ድሕነት ኣውሮጳ፡ ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ናብ ምዕራብ ካብ ምስፍሕፋሕ ደው ንምባል፡ ሓድሽ ኣውሮጳዊ ኪዳን ምቛም ዝብል ሓሳብ እዩ ኣቕሪቡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ ሩስያ ምስ ዩክረይን ናብ ጎንጺ እንተኣትያ "ከቢድ ሳዕቤናት" ከም ዘኸትል ኣጠንቂቑ።

እቲ ጉባኤ፡ ሩስያ ሰራዊታ ናብ ከባቢ ዶብ ዩክረይን ኣብ እተጸግዓሉ ዘላ እዋን እዩ ተኻዪዱ።

ሩስያ ልዕሊ 90,000 ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ከምዘንቀሳቐሰት ዩክረይን ትገልጽ።

ሞስኮ ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ንምክፋት ትቀራረብ ኣላ ዝብል ክሲ ክትነጽግ እንከላ፡ ዩክረይን ንባዕላ ንኲናት ምድላዋት ትገብር ምህላዋ'ውን ትገልጽ።

ሩስያ ብሓሙስ ሰለስተ ጥርጡራት ኣባላት ስለያ ዩክረይን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት'ውን ሓቢራ።

ሓደ ካብቶም ሰለስተ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ወጢኑ ብዝብል ክኽሰስ እንከሎ እቶም ካልኦት ክልተ ከኣ ኣብ ስለያ ተዋፊሮም ምንባሮም ፌደራላዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ብትካል ንድሕነትን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ዝተዳለወ ጉባኤ ሰርጌ ላቭሮቭን ኣንቶኒ ብሊንከንን ተራኺቦም ነይሮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ተወሳኺ ዝርርብ ክግበር ከም ዝተረዳድኡ ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም።

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ መጻኢ ቀጥታዊ ርክብ ከካይዱ ከምዝኽእሉ'ውን ሚስተር ብሊንከን ኣሚቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ርክብ ቭላድሚር ፑቲንን ኣመሪካዊ መዘንኡ ጆ ባይደንን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክካየድ ከምዝትስፎ ምግላጹ ማዕከን ዜና ኢንተርፋክስ ጸብጺቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ሩስያ ሰራዊታ ናብ ከባቢ ዶብ ዩክረይን ምጽግዓ ሓደ ካብ ዝተዘራረቡሉ ጉዳያት እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሃገሩ፡ ኔቶ ኣብታ ኣባል እቲ ጸጥታዊ ምትሕብባር ዘይኮነት ሃገረ ዩክረይን ህላዊኡ ክድርት ምዃኑ ዘረጋግጽ ውሕስነት ከም እትደሊ ተዛሪቡ እዩ።

ብሓሙስ ግና ሚስተር ላቭሮቭ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኔቶ ወጥሪ ንምህዳእን ሓደጋ ንምእላይን ዝቐረበ እማመታት ክነጽግ ከምዝጸንሐ ተዛሪቡ።

"ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ እቲ ኪዳን ሓላፍነታዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ብሮማንያን ፖላንድን ናብ ዶባት ሩስያ ይጽጋዕ ኣሎ" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "ሚሳይላት ማእከላይ ርሕቀት ኣመሪካ ናብ ኣውሮጳ ይመጽእ ኣሎ፤ እዚ ናብ ዘባህርር ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ዝመልስ እዩ" ኢሉ።

ኔቶ ምስ ሩስያ ንዝዋሰና ሃገራት ናይ "ምፍጣጥ ርእሲ-ድልድል" ካብ ምግባር ክቑጠብን ሩስያ ኣቕሪባቶ ዘላ እማመ ኪዳን ጸጥታ ብጥንቃቐ ኣብ ግምት ክኣቱ'ውን ኣተሓሳሲቡ።

ሚስተር ብሊንከን ብወገኑ ኣብቲ ብሓባር ዝተዋሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ቅልውላው ንምውጋድ እቲ ዝበለጸ መገዲ ዲፕሎማሲ ምዃኑ ብምሕባር ሩስያ ሓይልታታ ክትስሕብ ጸዊዑ።