ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ሳብማሪን ሩስያ ምስ መርከብ ኲናት ብሪጣንያ ተጋጭያ

ኤችኤምኤስ ኖርዛምበርላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓንቲ ሳብማሪን ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ኣብ ሓለዋ ምስ ዝነበረት መርከብ ኲናት ብሪጣንያ ከምዝተጋጨወት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣረጋጊጹ።

እቲ ፍጻመ ኣብ መወዳእታ 2020 ዘጋጠመ ኮይኑ ሰነዳዊ ፊልም የዳልው ብዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሓደ መደበር ቴለቪዥን ተሳኢሉ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሓደ ምንጪ ምክልኻል ብሪጣንያ እቲ ግጭት ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ኣይመስልን።

እታ ኤችኤምኤስ ኖርዛምበርላንድ ዝተባሃለት መርከብ ኲናት ብሪጣንያ፡ እታ ሳብማሪን ካብ ራዳር ድሕሪ ምስዋራ ኣብ ኣርክቲክ ሰርክል ትደልያ ከም ዝነበረት መደበር ቴለቪዥን ቻነል 5 ጸብጺቡ።

እታ ሳብማሪን ዝኾነ ጉድኣት በጺሕዋ እንተኾይኑ ዝተፈለጠ ነገር የሎን። እታ መርከብ ኲናት ግና ነቲ ዝተሃስየ መሳርሕታታ ንምቕያር ናብ ወደብ ስኮትላንድ ክትምለስ ከምዝተገደደት ተሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ንጥፈታት ሳብማሪን ሩስያ ክዓዝዝ እንከሎ፡ መራኽብ ኲናት ብሪጣንያ ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ብስሩዕ ሓለዋ የካይዳ።

ዝበዝሕ ግዜ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ስርሒታት ርእይቶ ዘይህብ እኳ እንተኾነ እዚ ግና ብካሜራ ስለዝተስኣለ ርእይቶ ከምዝሃበሉ ይግለጽ።

ሓደ ኣፈኛ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ መወዳእታ 2020 ብመርከብ ኲናት ኤችኤምኤስ ኖርዛምበርላንድ ክትትል ዝግበረላ ዝነበረት ሳብማሪን ሩስያ ምስ ኣካላት እታ መርከብ ከም እተተናኸፈት ሓቢሩ።

ወሲኹ’ውን ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ “ምክልኻል ብሪጣንያ ንምውሓስ ንናይ ወጻኢ መራኽብን ሳብማሪናትን ክትትል ከምዝገብር” ገሊጹ።