ኢንዶንዥያ፡ 53 ባሕረኛታት ዝጸዓነት ወተሃደራዊት ሳብማሪን ጠፊኣ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency/Getty Images
ኣብ ኢንዶንዥያ 53 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝጸዓነት ተሰርጓዲት መርከብ (ሳብማሪን) ከምዝጠፈአት ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እታ ከይኣርኣይ ናንጋላ 402 (KRI Nanggala-402 )ዝተሰመየት ሳብማሪን ብረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ደሴት ባሊ እናተንቀሳቐሰት እንከላ'ያ ካብ ራዳር ጠፊኣ።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኢንዶንዥያ ነታ መርከብ ንምድላይ መራኽብ ተዋፊረን ምህላወን ገሊጺ ኣሎ።
መንግስቲ ኢንዶንዥያ ኣብ ድልያ እታ ሳብማሪን ሃገራት ኣውስትራልያን ሲንጋፖርን ሓገዛን ከበርክታ እኳ ብወግዒ እንተሓተተ እተን ሃገራት ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃበኦ ግብረ መልሲ የለን።
እታ ስራሓት ጀርመን ዝኾነት ሳብማሪን፡ ረቡዕ ንግሆ ካብ ደሴት ባሊ ንሸነኽ ሰሜን ኣስታት 100 ኪሎሜተር ምስ ተጓዓዘት'ያ ድሃይ ኣጥፊኣ።
ቀዳማይ ኣድሚራል ኢንዶንዥያ ጁልየስ ዊድጃጆ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሓይሊ ባሕሪ ኣብቲ ጠፊኣቶ ዝተብሃለት ቦታ ኣብ ምድላይ እዮም ዘለዉ፡ እንተኾነ እቲ ቦታ ኣዝዩ ዓሚቕ ብምዃኑ ኣዝዩ ኣሸጊሩና ኣሎ" ኢሉ።

ገለ ጸብጻባት፡ እታ ሳብማሪን ናብ ውሽጢ ክትንቆት ሓበሬታ ምስ ተውሃባ ርክባት ከምዘቋረጸት እዮም ዝሕበሩ።
እታ መርከብ ሓንቲ ካብተን ኢንዶንዥያ ትውንነን ሓሙሽተ ሳብማሪናት እያ።
እታ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ዝተሰርሐት ሳብማሪን ኣብ ደቡብ ኮርያ ንኽልተ ዓመታት ውሽጣውን ግዳማውን ጽገናታት ምስ ተገበረላ ኣብ 2012 ናብ ስራሕ ከምዝተመለሰት ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።
ውሃቢ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ኢንዶንዥያ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኢንዶንዥያ መርከብ ክትጥሕላ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።
እንተኾነ ኣብ ካልእ ሃገር ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ ይፈልጥ'ዩ፡ ኣብ 2017 ብኣርጀንቲና እትውነን ሳብማሪን 44 ባሕረኛታት ሒዛ ኣብ ደቡባዊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ተሰዊራ'ያ።
ስብርባር ናይታ መርከብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ተረኺቡ፡ ሰብ መዚ ኣርጀንቲና እታ ሳብማሪን ምስ ባሕረኛታት ኣብ ውሽጢ እቲ ውቅያኖስ ከምዝሰጠመት እዮም ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







