ሓደ ሚኒሰትር ካብ ረድኤት ዘቕርባ ትካላት ጉቦ ተቐቢልካ ተባሂሉ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሚኒሰትር ማሕበራዊ ጉዳያት ኢንዶንዥያ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠባዊ ሃስያ ንዝወረዶም ዜጋታት እታ ሃገር ረዲኤት ካብ ዘቐርባ ትካላት ጉቦ ተቐቢልካ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ።
ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ኢንዶንዥያ ጁሉያሩ ባቱባራ ካብተን ንረዲኤት ቀረባት ዘቕርባ ዝነበራ ትካላት ጉቦ ተቐቢልካ ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪቡሉ ዘሎ።
ናይ ኢንዶንዥያ ኮምሽን ጸረ ብልሽውና ኣብ መንበሪ ቤት ሚኒሰትር ጁሉያሩ ባቱባራ ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ተፍትሽ 14.5 ቡልዮን ሩብያ (1 ሚልዮን ዶላር) ኣብ ሳምሶናይን ካልእ መኸዘኒ ገንዘብን ከምዝረኸበ እዩ ዝገልጽ።
ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ብቐዳም ኣብ ዝተገበረ ፍሉይ ስርሒት ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ፡ ሚኒሰትር ጁሉያሩ ባቱባራ’ውን ትማሊ ብገዛእ ፍቃዱ ንፖሊስ ኢዱ ሂቡ ኣሎ።
ኮምሽን ጸረ ብልሸውና ኢንዲንዥያ ፈርሊ ቡርሃ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ፡ “እቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ሳምሶናይት እዩ ተኸዚኑ ነይሩ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰለስተ ዓቢ ቦርሳ ከምኡ’ውን ኣብ ፖስታ ዝተዓሸገ’ውን ረኺብና” ኢሉ።
ወኪል ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ ሰራሓትኛታት ጸረ ብልሽውና ኢንዶንዥያ በዚ ዝገበርዎ ሃንደበታዊ ተፍትሽ፡ እቲ ሚኒሰትር፡ ካብ ክልተ ኣቐረብቲ ትካላት ካብ ነፍሲ ወከፍ ዕሻግ ንረድኤት ዝመጽእ ንብረት 10 ሽሕ ሩብያ (0.71 ዶላር) ጉቦ ይቕበል ከምዝነበረ ኣረጋጊጸረና ኢሎም ይብል።
እዚ ሚኒስተር በዚ ተኸሲስዎ ዘሎ ገነበኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 20 ዓመት ዘብጽሕ ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ሓደ ቢልዮን ሩብያ ክቅጻዕ ከምዝኽእል ይንገር።
ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት እቶም ክልተ ሓለፍቲ መንግስቲ ከምዝኾኑ’ውን ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢንዶንዥያ ጆኮ ዊዶዶ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኹሎም ሚኒስተራት ካብ ከምዚ ዓይነት ብልሽውና ክቁጠቡ ብተደጋጋሚ ከምዝሓበረ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ንዝኾነ ዓይነት ብርሽውና ከምዘይጸወር ተዛሩቡ።
ፕረዚደንት ጆኮ ዊዶዶ “እዚ ገንዘብ ህዝቢ’ዩ፡ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ቁጠባዊ ሃስያ ንዝወረዶም ዜጋታትና ንኽኸውን ዝተወጠነ ድማ’ዩ” ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







