ቅልውላው ቬንዝዋላ፡ ረድኤት ዝፀዓና መኻይን ኣብ ዶብ ኮሎምቢያ ኣብ ትርከብ ከተማ ተዓጊተን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ንቬንዝዋላውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ንፈለማ እዋን ካብ ኣሜሪካ ረድኤት ፅዒነን ዝመፃ መኻይን፡ ኣብ ዶብ ኮሎምቢያ ኣብ ትርከብ ከተማ ኩኩታ በፂሐን።
እዘን መኻይን ኣብዚ ሕዚ እዋን ቲየንዲታስ ኣብ ዝበሃል ድልድል ዝበፅሓ ክኾና እንከለዋ፡ ወተሃደራት ቬንዝዋላ ግና ናብታ ሃገር ንከይኣትዋ ከልኪሎምወን።
ብሰራዊት እታ ሃገር ዝድገፉ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ፡ ነዘን ረድኤት ፅዒነን ዝመፅኣ መኻይን ኣሜሪካ ናብ ሃገሮም ከይኣትዋ ነፂጎመን ኣለዉ።
ቅድሚ ሰሙናት ንገዛእ ርእሶም ፕረዚደንት እታ ሃገር ገይሮም ዝሸሙ ኩዋን ጓይዶ ግና፡ ኣእላፍ ቬንዝዋላውያን ካብ ዓለምለኸ ሓገዝ ወፃኢ ኣብ ሓደጋ ሞት ከምዝርከቡ ኣጠንቂቖም።
ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ዝኾኑ ኩዋን ጓይዶ፡ ሕገ-መንግስቲ ቬንዝዋላ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ሕጊ ወፃኢ እንተኾይኑ፡ ግዝያዊ ፕረዝደንት ንክኾኑ ከምዝፈቕደሎም ብምግላፅ ንባዕሎም ፕረዚደንት እታ ሃገር ገይሮም ሸይሞም እዮም።
ድሕሪ እዚ ሽመት ድማ፡ ንኣሜሪካ፣ ሃገራት ላቲን ኣሚሪካን ኣውሮጳን ሓዊሱ ካብ 40 ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቦም እዮም።
ነታ ሃገር ይመርሑ ዘለዉ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ እውን እንተኾነ ካብ ሓያላን ሃገራት ቻይናን ሩስያን ሓገዝ ኣይተፈለዮምን።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣሜሪካ ኣብ ኣባላት ምምሕዳር ኒኮላስ ማዱሮ ሓድሽ ማዕቐብ ኣንቢራ ኣላ። እዚ ማዕቐብ ቪዛ ኣባላት እቲ መንግስቲ ዝድምስስ እዩ።
ገለ ሃገራት ኣውሮጳን ላቲን ኣሜሪካን እውን ኣብ ቬንዝዋላ ዲሞክራሲ ንክሰፍንን ሓድሽ መረፃ ንኽካየድን ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ንክገብር ፀዊዐን።
እዘን መኻይን ኣሜሪካ ዘምፅእኦ ረድኤት ናብ ቬንዝዋላውያን ብኸመይ እዩ ክከፋፈል፡ ዛጊድ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ፕረዚደንት ቬንዝዋላ ኒኮላስ ማዱሮ ሓገዝ ወፃእተኛታት ዝተሓሰሙ፡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ናብታ ሃገር ክኣትውኡን ካብ ስልጣኖም ንክኣልይዎምን በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ስለዝኣምኑ እዩ።
"ዋላ ሓደ ወራሪ ወተሃደር ናብ ቬንዝዋላ ኣይኣቱን" ድማ ኢሎም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ግና፡ ስርዓት ማዱሮ ይጠሚ ንዘሎ ህዝቢ ቬንዝዋላ ክብል፡ እቲ ረድኤት ንክኣትው ክፈቅድ ይግባእ" ብምባል ኣተሓሳሲቦም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







