ኣብ ዓለም እቲ ዝደኸየ ፕረዚደንት-ነበር ጡረታ ኣየድልየንን ይብል

ዩረጓይ ፕረዚደንት-ነበር ሆሰ ሙጂካ ትራክተር እናዘወረ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, "ጊንጢ ዝኾነ ኣረጊት ሰብኣይ ኮይነ ይረአ ይኸውን፡ ግና ምርጫይ'ዩ"

እቲ "ኣብ ዓለም ዝደኸየ ፕረዚደንት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሃገረ ዩረጓይ ፕረዚደንት-ነበር ሆሰ ሙጂካ፡ እቲ ዝግብኦ ናይ ሰነተር (ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ) ጡረታ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።

ንሱ ካብ ፕረዚደንትነት ድሕሪ ምውራዱ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ከም ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ሃገሩ (ሰነተር) ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብወለንትኡ ወሪዱ።

ክሳብ 2020 ክጸንሕ ተመሪጹ እኳ እንተነበረ፡ "ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ደኺመ" ብምባል ካብ መንበሩ ክወርድ ከም ዝመረጸ ተዛሪቡ።

ሆሰ ሙጂካ፡ ናይ ስንብታ ደብዳቤኡ ነታ ናይ 13 ዓመታት በዓልቲ-ቤቱ ዝኾነት ሉቺያ ቶፖላንስኪ ኣረኪቡ። በዓልቲ-ቤቱ? እወ፡ ወይዘሮ ሉችያ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገርን ኣደመንበር ናይቲ ሰነትን ስለዝኾነት።

ኣብ ደብዳቢኡ ከም ዝገለጾ፡ ካብ መዝነቱ ምውራዱ፡ ውልቃዊ ምኽንያት ኮይኑ "ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ድኻም ተሰሚዑኒ" ዝብል ምኽንያት ሂቡሉ ኣሎ።

ዩረጓይ ፕረዚደንት-ነበር ሆሰ ሙጂካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሆሰ ሙጂካ መራሒ ጸጋማዊ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ቱምፓሮስ ዝነበረ'ዩ

"እንተኾነ ግና፡ ኣእምሮይ ክሳብ ዝሰርሐ፡ ካብ ምሕዝነትን ናይ ሓሳባት ውግእን ክወርድ ኣይክእልን'የ" ክብል ተዛሪቡ።

ዝተራእዮ ዝዛረብ ተጋዳላይ ነበር

እቲ ትኽ ኢሉ ዝዛረብን፡ እንሓንሳብ ድማ ዘይልሙድ ቋንቋ ዝጥቀምን ሆሰ ሙጂካ፡ "ክትዕ ኣብ ዝረስነሉ ዝነበረ ኩነታት ዘቐየምክዎም መሳርሕተይ ይህልዉ ይኾኑ" ብምባል ኣይቕሬታ ሓቲቱ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2013 ንፕረዚደንት ኣርጀንቲና ዝነበረት ክሪስቲና ፈርናንደዝ "ኣረጊት ቡዳ"፡ ነቲ ንባዕሉ'ውን ፕረዚደንት ዝነበረ በዓልቤታ ድማ "እቲ ሓውራር" (ሓንቲ ዓይኑ ሃካይ ብምዃና) ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ ይቕሬታ ክሓትት ተገዲዱ ነይሩ።

ንሱ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ፡ ማክሮፎናት ተኸፊቶም እንከለዉ ብሕሹኽታ ዝሃቦ ርእይቶ'ዩ።

ኣብ 2016 ንፕረዚደንት ቬነዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ "ከም ጤል ዝዓበደ" ክብል ገሊጽዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

ግና ቀንዲ ህቡብ ክገብሮ ዝኻኣለ ነገር እንተ ነይሩ፡ እቲ ምቕሉል ናብራኡን፡ ፕረዚደንት እንከሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣይነብር'የ ምባሉ'ዩ።

ንሱን እታ ቅድሚ ምምርዓዎም ኣብ እዋን ቃልሲ ብጸይቱ ዝነበረትን መካይድቲ ሂወቱን ዝኾነት በዓልቲ ቤቱን ካብ ርእሰከተማ ሞንተቪድዮ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ናይ ዕንባባ ሕርሻ ኣብ ሓንቲ ንኡሽቶ ጋዛ'ዩም ዝነብሩ።

ሆሰ ሙጂካ ዝበዝሕ ካብ ደሞዙ ንናይ ግብረሰናይ ስራሓት ወፍይዎ'ዩ። ኣብ 2010 ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ እዋን ዝውንና ዝነበረ ሓንቲ ናይ 1987 ቮልክስዋገን ቢትል ዝዓይነታ ኣረጊት መኪና ጥራይ'ያ ነይራ።

ካብዚ ዝተላዕለ፡ እታ ሃሳስ ሰማያዊ ዝሕብራ ቮልክስ ህብብቲ እናኾነት መጺኣስ፡ ኣብ 2014 ብ1 ሚልየን ዶላር ክሸጣ ተሓቲቱ ነይሩ፡ ግና ነቲ ሰለስተ እግሪ ጥራይ ዘለዎ ከልቡ ዘመላልሰሉ መጓዓዝያ ኣይነበረንን ብምባል ኣይሸጣን ኢሉ።

ዩረጓይ ፕረዚደንት-ነበር ሆሰ ሙጂካ ዝነብረሉ ሕርሻ
መግለጺ ስእሊ, ዩረጓይ ፕረዚደንት-ነበር ሆሰ ሙጂካ ኣብ ሓደ ናይ ሰበይቱ ሕርሻ'ዩ ዝነበር

ካብቲ ናይ ሰነት ቦትኡ ክወርድ ምዃኑ ክዝረብ ጸኒሑ ነይሩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ውሳነ ንብዙሓት ዘገረመ ኣይነበረን።

ተቐናቐንቱ ግን ጡረታ ክወጽእ ደልዩ ድዩስ ዋላ ናብ ስልጣን ክምለስ ርግጸኛታት ብዘይ ምንባሮም ክሻቐሉ ጸኒሖም እዮም።

ሓደ ልዊስ ኣልቤርቶ ሀርበር ዝተባህለ ተቐናቓኒ ሰነተር፡ ሆሰ ሙጂካ ዝወርድ ዘሎ ኣብቲ ኣብ 2019 ዝግበር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ስለዝደለየ'ዩ ዝብል ወረ ክናፈስ ምጽንሑ ጠቒሱ።

"ነቲ ዘለካ ናጻ ግዜ ኣብ ክንዲ ኣንጻር ሰልፍናን ሰልፍኻን ንምስራሕ ተሕልፎ ንዕረፍቲ ከተሕልፎ ምውሳንካ ከሐጉሰና ባህርያዊ እዩ። ሰላም ዝመልኦ ዕረፍቲ ንምነየልካ" ይብሎ።

ዋላኳ መሳርሕቱ ጽቡቕ እንተተመነይሉ፡ ገለ ነቐፍቱ ግና ስለቲ ኣብ 1960ታትን 70ታትን፡ መራሒ ጸጋማዊ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ቱምፓሮስ እንከሎ ዝፈጸሞ ተግባራት ይቕሬታ ክሓትት ነይርዎ ይብሉ።