ኣብ ጋምቤላ፡ ሰራሕተኛታት 'ኣክሽን ኤገነስት ሃንገር' ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ኣይተትሓዙን

ምንጪ ስእሊ, GAMBELLA COMMUNITY DEVELOPMENT OF CANADA
ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ጣቢያ ኣካዶ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት ገባሪ ሰናይ ሰራሕተኛታት ትካል ረድኤት መንነቶም ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተቀቲሎም'ዮም።
ነዚ ስዒቡ እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ደሕንነት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ክሕሎ ሓቲቱ።
እዞም ሰራሕተኛታቱ ኣብቲ ክልል ናብ ዝርከብ ዊኜል መዕቆቢ ስደተኛታት እናምርሑ ከለው ብዕጡቓት ውልቀሰባት ከም ዝተቐትሉ'ዩ ዝግለጽ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ጥርጡራት ከም ዘይተትሓዙ ተገሊጹ።
ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታን ሰላምን ክልል ጋምቤላ ኣቶ ቶማስ ቱት ፑክ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጥርጡራት ንምሓዝ ፡ ሓላፍነቶም ኣይፈጸሙን ዝበልናዮም ኣመሓደርቲ እታ ጣቢያ ኣብ ቀይዲ ኣእቲና መርመራ ነካይድ ኣለና ይብል።
"ጸገም ኣብ ዝተፈጠረሉ መዓልቲ ናብቲ ቦታ ሓይልታት ጸጥታ ልኢኽና ኢና። ይኹን'ምበር፡ ሓላፍነቶም ኣይፈጸሙን ኢልና ኣመሓደርቲ እታ ጣቢያ ኣሲርና ኣለና። ግን እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናሃለው ጥርጡራት ምሓዝ ስለ ዘይክኣል፡ ምስ ህዝቢ ኮይንና ጥቆማ ንመንግስቲ ክንህብ ኢና ስለ ዝበሉ ብዋሕስ ክወጽኡ ገይርና ኣለና" ኢሉ።
እዚ መጥቃዕቲ ሓሙስ ንጉጎ ሰዓት ሸሞንተ'ዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ዕለት ዝናብ ዘኒቡ ስለ ዝነበረ፡ ርጋጽ እግሪ በቲ መገዲ ዝሓለፉ ሰባት ተኸቲልካ ጥርጡራት ንምሓእዘ ጻዕሪ ከም ዝተገበረ ኣቶ ቶማስ ይዛረብ።
ኣብቲ ዕለት፡ ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ጥርጡራት ምሓዝ ስለ ዘይተኽኣለ ግን፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ ኣመሓዳርን ምክትልን ጣቢያ ኣካዶ፡ ሎሚ መዓልቲ ብዋሕስ ወጺኦም ህዝቢ ከዛትዩ ክወጽኡ ከም ዝተገበረ ኣቶ ቶማስ ይገልጽ።
"እቲ ገበን መን'ዩ ፈጺሙዎ ዝብል ትኽክለኛ ጥቆማ ብምርካብ ዘዕግብ ስጉምቲ ንምውሳድ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ይሰርሕ ኣሎ። ነዚ፡ ካብ ዞባ፣ ወረዳን ጣቢያን ዝተወጻጽኡ ኣመራርሓ ናብቲ ህዝቢ ወሪዶም ብምዝታይ እቲ ጥርጡር ንምሓዝ ይሰርሑ ኣለው። ትኽክለኛ ጥርጡር ግን ክሳብ ሕዚ ኣይተረኸበን" ኢሉ ኣቶ ቶማስ።
ትካል ተራድኦ 'ኣክሽን ኤገነስት ሃንገር'፡ በዚ መጥቃዕቲ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ክልል ዘካይዶ ዝነበረ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ጠጠው ከም ዘበለ ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር ህይወት ናይ መድሓን ስራሕቲ ጥራሕ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ። እቶም ግዳያት ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾኑ ዝገለጸ ኣቶ ቶማስ፡ እቲ ትካል ዝህቦ ኣገልግሎት ጠጠው ንከየብል ከም ዝተዘራረቡ ሓቢሩ።
"ሰራሕተኛታት እቲ ኤጀንሲ ኣዘራሪቦምና እዮም። ስራሕኹም ከይተቋርጹ ኢልናዮም ኢና፤ ገበነኛታት ክእሰሩ ኣለዎም ኢሎም፡ ልክዕ እዩ ክእሰሩ እዮም። ስለ ዝኾነ ውሕስንኦም ክሕሎ ጌርና ስርሖም ብኣግባቡ ክሰርሑ ጻዕሪ ክንገብር ኢና። ሓለዋና ክጥንክር'ውን ክንገብር ኢና። ሕዚ እቲ ከባቢ ሰላማዊ'ዩ ዘሎ፤ ተጠርጠርቲ ንምሓዝ ድማ ጻዕሪ ንገብር ኣለና"።
መዕቆቢ ስደተኛታት ዊኔል ኢታንግ ካብ ዝተብሃለ ዞባ ኑዌር ሽዱሽተ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ 400 ሽሕ ዝጽግዑ ሱዳናውያን ስደተኛታት ይርከቡ።
ብዙሓት ትካላት ገበርቲ ሰናይ ትካላት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ናብቲ ከባቢ ይጉዓዙ'ዮም። ኣክሽን ኤገነስት ሃንገር ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 832 ሽሕ ሰባት ከም ዝሕግዝ ይሕብር።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪ እዚ ትካል ስቴቨን ዌሬ ኦማሞ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብሩ ትካላት ኮነ ሰባት ደሕንነቶም ክረጋገጽ ሓቲቱ።
ትካል ኣክሽን ኤገነስት ሃንገር፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 1985 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ምጽንሑ ኣብ ድረገጹ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







