ሓሰኻ ኣርሚዋርም ንምንታይ ንዝራእቲ ኣፍሪቃ የጥቅዕ?

ሓሰኻ ኣርሚዎርም ሹማ እቲ ዕፉን ሰርሲሩ ይኣቱ።

ምንጪ ስእሊ, CABI

ከም ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 8.5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሓገዝ መግቢ፡ ማይን ስርዓት ኣመጋግባን የድልዮም። ንዓመታት ዝቐጸለ ዋሕዲ ዝናብ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣስዒቡ ኣሎ።

እዚ ኩነታት'ዚ ኣርሚዋርም ዝተባህለ ሓሰኻ ዘራእቲ ኣብ ዝወረረሉ እዋን ምዃኑ ድማ ከቢድ ይገብሮ። እዚ ሓሰኻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሑሰ፡ ምኽንያት ምጥፋእ ብዙሕ ዘራእቲ ኮይኑ እዩ።

ፎል ኣርሚዋርም እንታይ እዩ?

'ኣርሚዋርም' ዝብል ሽም እንትንሰምዕ ቁሩብ ክንደናገር ንኽእል ንኸውን። ይኹን እምበር "ኣርሚዋርም' ምሉእ ብምሉእ ሓሰኻ ኣይኮነን፡ ናብ ሙሉእ ፅምብላሊዕ ቅድሚ ምቕያሩ ዘራእቲ ዝበልዕ ዓጎርያ (ሓሰኻ) እምበር።

እዚ ሓሰኻ 'ፎል ኣርሚዋርም'፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብ 'ኣፍሪካን ኣርሚዋርም' ተባሂሉ ምስ ዝጽዋዕ ሓሰኻ ብስም ዝመሳሰል እኳ እንተኾን ግን ሓድሽ ባልዕ እዩ።

ካበይከ መፂኡ?

መበቆል ኣርሚዋርም ኣብ ኣሜሪካ እዩ። ሰብ ሙያ ሕርሻን ጸረ ባልዕን ብኸመይ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተወ ግን ርግፀኛታት ኣይኮኑን።

ኣብዚ ድማ ክልተ ምኽንያታት ይግለፁ። እቲ ሓደ እንቋቁሖ ኣርሚዋርም ወይ ድማ ባዕሉ እቲ ሓሰኻ ምስ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝኣትዉ ኣቑሑት ተጓዒዙ ተራቢሑ ዝብል እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ነፈርቲ ንግድ ተሳፊሩ'ዩ ኣትዩ ዝብል እዩ።

ንምንታይከ ስግኣት ሕርሻ ኮይኑ?

ብጣዕሚ ዝጠመየ እዩ፡ እዚ ሓሰኻ ብዋናነት ኣብ ዕፉንን ካልኦት ዓይነት ዘራእትን ትኹረት ብምግባር፡ ካልኦት ኣብ ከም ጡጥ፡ ዓተር፣ ድንሽን ተኽእሎታት ትምባኾን የጥቅዕ። እዚ ሓሰኻ እንተተላቢዑ ሲሶ እቲ ዘራእቲ ከባድም ይኽእል።

መንግስቲ፣ ሕብረተሰብን ሓረስቶትን፡ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ሓሰኻ ኣርሚዋርም፣ ብዛዕባ እዚ ዘይትፈልጠ ጸላኢ ቅድሚ ሕዚ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። እዚ ድማ ነቲ ሓሰኻ ንምጥፋእ ከቢድ ይገብሮ።

እዚ ሓሰኻ፡ ዋዒን ዛሕልን ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ከምኡ እውን ዕፉንን ካልእ ዘራእቲ ኣብ ዝዝርእሉን ናብ ዓውዲ ኣብ ዝኣትውሉን ግዜ ቀውዕን ኣዝመራን ቁፅሩ ይውስኽ።

ኣርሚዎርም
መግለጺ ስእሊ, ሓሰኻ ኣርሚዎርም ዝራእቲ ኩሉ ከባድም ይኽእል

ብጣዕሚ ቅልጡፍ እዩ። ከም ሓበሬታ ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ሓሰኻ ኣርሚዋርም ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 እዩ ናብ ኣፍሪቃ ኣትዩ። ክሳብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ንምልባዕ ግና፡ 8 ኣዋርሕ ጥራሕ እዩ ወሲድሉ። ፀኒሑ ድማ ኣብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ተላቢዑ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ወርሒ ለካቲት ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበፅሐ ተፈሊጡ።

ሓሰኻ ኣርሚዎርም ነዊሕ መንገዲ ስለዝጓዓዝ፡ ኣብ ብርኪ ኣባጨጎራ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ፡ ብጣዕሚ ሓደገኛ እዩ። " ናብ ደረጃ ፅምብላሊዕ ኣብ ዝዓብየሉ (ዓርሱ ኣብ ዝነፍረሉ) ግዜ ግና፡ ነዊሕ ርሕቐት ብምኻድ ንሃገራት ኣፍሪቃ ተቆፃፂርወን እዩ ይብሉ፡ በዓል ሞያ ኣርሚዎርም ፕሮፌሰር ኬን ዊልሰን።

ኣብ ነባራት ዘራእቲ ጥራሕ ኣየትኩርን፡ ኣርሚዎርም ኣብ ዝተስፋሕፈሐሉ ከባብታት ቀንዲ ምግቢ ዝኾነ ዕፉን ኣጥቂዑ እዩ።

ንምርካብ ከቢድ እዩ፡ እዚ ሓሰኻ ብቐሊሉ ክረአ ኣብ ዘይኽእል ኣብ ሱማ (ሹማ) እቲ ዑፉን ስለዝኣቱ፡ ሓረስቶት፡ ሓደጋ ቅድሚ ምብፅሑ፡ ብቐሊሉ ክርእይዎ ኣይኽእሉን።

ሕማቕ ግዜ፡ እዚ ሓሰኻ፡ ብምኽንያት ትሑት ምህርቲ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ህዝቢ ብደርቂ ኣብ ዝተጠቕዕሉ እዋን፡ ምምፅኡ ድማ ከቢድ ይገብሮ።

ኣበይ እዩ ?

ሓሰኻ ኣርሚዎርም፡ ኣብ ደቡብ፣ ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃ ኣብ 20 ሃገራት ተላቢዑ 'ሎ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016 ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ደሴት ሳኦ ቶሜን ፕሪንቺፔን ንፈለማ እዋን ተራእዩ።

ለበድኡ ናብ ኢትዮጵያ ብምስፋሕ ድማ፡ ንክልላት ጋምቤላ፣ ኦሮምያን ኣብ ክልል ብሄርን ብሄረሰባትን ደቡብ ኣትዩ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ሓሰኻ፡ ዕፉን ናብ ዘፍርያ ካልኦት ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ትግራይን ቤንሻንጉል ጉምዝን ከይዝርጋሕ ኣብ ስግኣት ይርከብ።

Chimenya Phiri holds caterpillar next to maize plants

ቺሚንያ ፔሪ፡ ማላዊ ሓረስታይ፡ "እዚ ሓሰኻ ኣርሚዎርም፡ ንቖጽሊ እዚ ዕፉን ኣጥቂዑ ኣሎ፣ ዕምበባን ቃንጫን እቲ ዕፉን እውን ተበሊዑ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ሓሰኻ ናብ ውሽጢ እቲ ቃንጫ ሰርሲሩ ስለ ዝኣተወ እዩ። ክትፈልዮ ብጣዕሚ እዩ ዝኸብድ። ኩሎ ዘርእቲ ዕፉን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ እዩ ኮይኑ።

ለበዳ እዚ ሓሰኻ ዛጊድ ክንደይ ዝኣክል ጉድኣት ኣብፂሑ?

ኣብዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ለበዳን ፅዕንቶን እዚ ሓሰኻ ኣብ ምፅራይ ስለ ዝርከባ፡ ብንፁር ምፍላጥ ኣይኸኣላን። ይኹን እምበር እዚ ለበዳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕፅረት ምግቢ ንክህሉ፡ ኢሉ እውን ብቢልየን ዶላር ዝቑፀር ሃፍቲ ንክባድም ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለፅ።

ለበዳ ኣርሚዎርም ብኸመይ ደው ይብል?

ፀረነፍሳት፡ ሓሰኻ ኣርሚዎርም ኣብ ናይ መጀመርታ ብርኪ ዕብየት እናሃለወ፡ ኬሚካል ብምንፃግ ክጥፍእ ይኽእል። ኣርሚዎርም ኣብ ዝዓበየሉን ዝተራብሐሉን ግዜ ግና ንዝንፀጎ መድሓኒት ከምዝፃወሮ ሰብ ሞያ ይገልፁ።

ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾነ ዕፉን
መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ እዚ ለበዳ ደው ንምባል እናሰርሑ እዮም።

ነዚ ድማ ንሓሰኻ ኣርሚዎርም ዘጥፍእ ቫይረስ ሓዊሱ፡ ካልኦት ፅግዕተኛ ሓሳኹ ንምርካብ ምርምራት እናተኻየዱ እዮም።

እቲ ዝቕፅል እንታይ እዩ?

ትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (FAO) ግና፡ ለበዳ እዚ ፀረ ዘራእቲ እናተጋደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣህጉራት ኣውሮጳን ኤስያን፡ ብሓሰኻ ኣርሚዎርም ክጥቀዓ ከምዝኽእላ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ትካላት ምርምር ብወገኖም፡ ሓሰኻ ኣርሚዎርም ጠንቂ ድሕንነት ምግብን ሕርሻን ከም ዝኾነ እናገለፁ እዮም።