ኣሜሪካ ምስጢር ኒኩሌር ኣሕሊፎም ክሸጡ ፈቲኖም ዝበለቶም መጻምዲ ኣብ ቀይዲ ኣውዒላ

ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, US NAVY/THIEP VAN NGUYEN II

መሃንዲስ ኒኩሌር ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ዝነበረ ጆናታን ቶቤ ምስ በዓልቲ ቤቱ ምስጢራት ኒኩሌር ንምሻጥ ብምፍታኖም ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓሉ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ጆናታንን በዓልቲ ቤቱ ዲያናን ምስ ካልእ ሃገር ስምምዕ ዝገበሩ መሲልዎም ነቲ ምስጢር ኣሕሊፎም ክሸጡ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን እዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ።

ኣብ ውሽጢ ሳንዱች ቀርቂሮም ዘዳለውዎ ሰነድ ንድፊ ኒኩሌር ሳብማሪን ግን ነቲ ንኻልእ ሃገር ዝወከለ መሲሉ ዝቐረቦም ኣባል ድሕነት ኣሜሪካ ክሸጡ ኣብ ዝፈተኑ ከምዝተትሓዙ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ተወካሊ ካልእ ሃገር መሲሉ ዝተሰማምዖም ሰብ ብስለላ ክከታተሎም ዝጸንሐ ኣባል ኤፍቢኣይ ነይሩ።

ሕቡእ ስምምዓት

ወዲ 42 ቶቤ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ምስጢራዊ ዝበሎ ሰነድን ሕቡእ ዝኾነ ርክብ ንኽህልው ዝሓትት መልእኽትን ናብ ካልእ ሃገር ከምዝለኣኸ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ይገልጽ።

ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሓደ ውልቀሰብ ሕቡእ መልእኽቲ ኢመይል ክጽሕፍ ጀሚሩ። ንሱ እቲ ዝጸሓሓፎ ዘሎ ውልቀሰብ ተወካሊ እታ ሃገር እንተመሰሎ’ኳ፤ መሲሎም ዝራኸብዎ ዘለዉ ግን ኤፍቢኣይ ነይሮም።

ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምጽሕሓፍ ድማ ንሱን በዓልቲ ቤቱን 100 ሽሕ ዶላር ተኸፊልዎም ነቲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ከረክቡ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ኣብ 2021 ወርሒ ሰነ ከኣ ጆናታንን ዲያናን ነቲ ሰነድ ከረክቡ ናብ ምዕራብ ቨርጂኒያ ተጓዒዞም።

ዲያና ብርሕቐት ኮይና ነቲ ከባቢ እናሓለወትሉ ጆናታን ነቲ ብ’ኤስዲካርድ’ ዝተሰነደ ምስጢር ኣብ ውሽጢ ሳንዱች ቀርቂሩ ኣብቲ ዝተበሃሎ ቦታ ኣቐመጦ።

ብድሕሪኡ እቲ ብሕቡእ ዝሰማምዖ ዘሎ ኣባል ኤፍቢኣይ ነታ ሰነድ ዝሓዘት ‘ኤስዲካርድ’ ብምውሳድ ነቶም መጻምዲ ገንዘቦም ለኣኸሎም። በዓል ጆናታን ድማ ገንዘቦም ምስተቐበሉ ምስጢራዊ መኽፈፈቲ እታ ኤስዲካርድ ሃብዎም። ሽዑ እቲ ሰነድ ንናይ ሳብማሪን ኒኩሌር ዝምልከት ምስጢር ዝሓዘ ኮይኑ ተረኺቡ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ተወሳኺ ምስጢራዊ ሰነድ ኣብ ውሽጢ ናይ ማስቲካ ባኮ ዓሺጉ ንምሃብ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ መግለጺ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ የመልክት።

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ከኣ ንሳልሳይ ጊዜ ምስጢር ኣሕሊፎም ከረክቡ ኤፍቢኣይ ነቶም መጻምዲ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልዎም።

ጽባሕ ሰሉስ 12 ጥቅምቲ 2021 ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ተፈሊጡ’ሎ።