ኣመሪካ፡ ዝበርተዐ ዝተብሃለሉ ህቦቡላ ኣጥቒዕዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣግራብ ዝቡርቑቕ፡ ገዛውቲ ዘዕኑ ኣዝዩ ብርቱዕ ህቦብላ ንገማግም ሰሜናዊ ምዕራብ ፈሎሪዳ ኣጥቒዑ።
እዚ ብሚካኤል ዝፍለጥ ህቦቡላ፡ ሮቡዕ ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ስዓት 125 ኪሎ ሜትር እናተሓንበበ እዩ ንፈሎሪዳ ኣጥቒዕዋ።
ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ ሓደ ሰብ ብገረብ ተጸቒጡ ከምዝሞተ ሰብ መዚ ፈሎሪዳ ኣፍሊጦም።
እዚ ማይ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ህቦቡላ፡ ንኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ነበርቲ ፈሎሪዳ፡ ኣላባማ ከምኡ'ውን ጆርጅያ ቐረብ ኤለክትሪክ ክቋረጾም ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ህቦቡላ ብሰሉስ ደረጃ ክልተ እኳ እንተነበረ፡ ብረቡዕ ግን ኣብ ስዓት 250 ኪሎ ሜተር ይሕንበብ ብምንባሩ ናብ ደረጃ ሓሙሽተ ህቦቡላ ምዕባዩ ሜትሮሎጂ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ጸብጻባት፡ ኣብ 1851 ደረጃ ኣርባዕተ ህቦቡላ ንፈሎሪዳ ኣጥቒዕዋ ምንባሩ ይሕብሩ።
ሮይተርስ ብወገኑ፡ ህቦቡላ ሚካኤል ሳልሳይ ዝበርተዐ ንመላእ ኣመሪካ ዘጥቐዐ ህቦብላ ኢልዎ ኣሎ፡ ህቦቡላ ካሚላ ኣብ 1969 ንሚሲስፕን ከባቢኣን ዘጥቐዐ ብካልኣይ ክሳራዕ እንከሎ፡ ኣብ 1935 ንፍሎሪዳ ዘጥቀዐ ሌበርዳይ ህቦቡላ ከኣ ብቀዳማይ ይስራዕ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ኣመሓዳሪ ፈሎሪዳ ሪክ ስኮት "ዘይግመትን ዘሰንብድን" ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ናይ ሕጂ፡ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ካብ ዝተራኣዩ ህቦቡላ እቲ ዝኸፈአ ምኳኑ ተዛሪቡ።
እዚ ብሚካኤል ዝፍለጥ ብርቱዕ ህቦቡላ፡ ኣብ ሁንዱራስ 6፡ ኣብ ኒካራጓኣ 4 ከምኡ'ውን ኣብ ኢልሳልቫዶር 3 ሰባት ከምዝቐተለ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ገማግም ኣፓላቺኮላ ማዕብል ክሳብ 2.5 ኪሎሜትር ብራኸ ክፈጥር ተራእዩ።
ኣብ ግዝኣታት መላእ ፍሎሪዳ፡ ኣላባማ፡ ጆርጅያን ሰሜን ካራሊናን ሰዓታት ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ'ሎ።
ኣብያተ ትምህርትን ቤትጽሕፈታትን ንዝቕጽል ሓደ ሰሙን ክዕጸዉ ምኳኖም ተፈሊጡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







