ፍሎሪዳ፡ ብሓያል ህቦብላ ክትጥቓዕ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓያል ህቦቡላ ሚካኤል፡ ሮቡዕ ኣብ ገማግም ፍሎሪዳ ክበጽሕ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝግመት፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ቤት ንብረቶም ክወጹ ተሓቢሩዎም።
እዚ ኣብ ሰዓት ኣሰታት 125 ኪሎ ሜትር ዝጉዓዝ ዘሎ ህቦቡላ፡ ኣብ ከባቢ ፍሎሪዳ ምስ በጽሐ ፍጥነቱ ክውስኽ ትጽቢት ከም ዝግብር ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣጠንቒቑ።
ብሰንኪ እዚ፡ ልዕሊ 370,000 ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክግዕዙ ተሓቢሩዎም ኣሎ። ግዝኣታት ፍሎሪዳ፡ ኣላባማን ጆርጅያን ድማ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጀን።
እዚ ካብ ማእከላይ ኣሜሪካ ዝጀመረ ብርቱዕ ህቦቡላ፡ ክሳብ ሕጂ 13 ሰባት ቀቲሉ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ገማግም ፍሎሪዳ ክሳብ 4 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ማዕበል ክፍጠር ከምዝኽእል'ዩ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝሕብር ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሪክ ስኮት፡ ነዚ ህቦቡላ "ኣዕናዊ" ኢሉ ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ብሰብ መዚ ዝውሃቦም ዘሎ ሓበሬታ ከተግብሩ ተላብዩ።
ሪክ ስኮት ብተወሳኺ " እዚ ህቦቡላ ክቐትለኩም ይኽእል እዩ፡ ገዛኹም ደጊምና ክንሃንጸልኩም ንኽእል ኢና፡ ሂወትኩም ግን? ስለዚ በጃኹም ነዚ ሓበሬታ ሸለል ኣይትበልዎ" እውን ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰሉስ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ" ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ህቦቡላ፡ ጽቡቕ ገይርና ተዳሊናሉ ኣለና" ኢሉ ኣሎ።
ግዝኣት ፍሎሪዳ ዋላ'ኳ ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ ህቦቡላ ተጠቒዓ ትፈልጥ እንተኾነት፡ እዚ ሕጂ ከጥቃዕ'ዩ ዝብሃል ዘሎ ከባቢ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ደርዘናት ዓመታት ክንዲ'ዚ ሓይሊ ዘለዎ ህቦቡላ ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







