ማእከላይ ኣሜሪካ፡ ህቦብላ ንፋስ 22 ሰባት ቀቲሉ

ዝዓነዉ ገዛውቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኮስታሪካ 5 ሽሕ ሰባት ኣብ ግዚያዊ መጽለሊታት ተዓቑቦም ይርከቡ

ሃገራት ማእኸላይ ኣሜሪካ ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስ፡ 20 ሰባት ስለዝሞቱ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጀን ኣለዋ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ፡ ከቢድ ዝናብ፤ ምህማም መሬትን ዕልቕልቕን ኣስዒቡን ከም ውጽኢቱ ድማ ጽርግያታት ተዓጺዮም፣ ቢንቶታት ፈሪሶምን መንበሪ ኣባይቲ ከኣ ዓንዮም።

ኣብ ኮስታሪካ 4 ሚእቲ ሽሕ ዜጋታት ጽሩይ ዝስተ ማይ ስኢኖም፡ ኣሽሓት ድማ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊታት ተዓቝቦም ይርከቡ።

ኣብ ኮስታሪካ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣብ ኒካራጉዋ 'ውን 11 ሰባት ህይወቶም ሲኢኖም።

ሩባታት ኮስታሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሩባታት ብውሕጅ ተዋሒጦም፣ ከተማታት ኮስታሪካ ድማ ተሃስየን።

ብተወሳኺ ኣብ ኮስታሪካ፡ ኩሉ ጉዕዞታት ባቡር ተዓናቒፉ ቁጽሮም ዘይንዓቕ በረራ ነፈርቲ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ተሰሪዞም።

ብቡዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝርኣዩ ሃገራዊ ፓርክታት'ውን ብመሰረት እቲ ቅድመ መጠንቐቕታ ተዓጺዮም።

ኣብ መሰረተ ልምዓት (ትሕቲ ቅርጺ) ኒካራጉዋ ቀሊል ዘይበሃል ማህሰይቲ ኣስዒቡ'ሎ።

ግዚያዊ መጽለሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕቲኦም ሃስያታት ኒካሪጉያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካሪብያን'ዮም ኣጋጢሞም።

ከም ኣመተ ኪኢላታት ሜትሪዮሎጂ፡ ህቦብላ ንፋስ ኔት፡ ቅድሚ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣሜሪካ ናብ ዝናብ ምቕያሩ፣ ኣብ ዝቕጽሉ 2 መዓልትታት ጠንኪሩ ክሳብ ደረጃ ሓደ ህቦብላ ክዓቢ ከምዝኽእል ተንብዮም። ኣብ ሜክሲኮ ዝተዋፈሩ ትካላት መዐደሊ ነዳዲ ሰራሕተኛታቶም ናብ ካልኦት ከባቢታት የጎዓዕዙ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።