ኣመሪካ 'ንመስራቲ ኣልሸባብ ቀቲለ' ኢላ

ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ብዝካየዶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ መስራቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ዮሱፍ ጂስ ከምዝቐተሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ይኹን ሃለዋት መስራቲኡ ዛጊት ዝበሎ የለን።

ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ 'ኣፍሪኮም'፡ ጀነራል ስቲፈን ታውንሰንድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዮሱፍ ጂስ፡ ጨካንን ዘይምሕርን ቀታሊ'ዩ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ ሶማልያን ወጻእን መጥቃዕትታት የካይድ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፐ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር፡ ኣብ ሶማልያ ተካይዶ ዝነበረት መጥቃዕትታት ከተሕይሎ ጸኒሓ'ላ።

ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ በቶም ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ምቕታሎም ይዝከር።

ይኹን እምበር፡ ሓደ ጂሃዳዊ ኣብ ዝቐተለሉ፡ ንዕኡ ዝትክእ ተቐሪቡ ዝጸንሕ'ዩ ዝመስል።

ምስዚ ኩሉ ዝወርዶ ኪሳራ፡ ኣልሸባብ ዒላማታቱ ናይ ምህራምን መሬት ናይ ምቁጽጻርን ዓቕሙ ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ።

ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ 'ኣፍሪኮም'፡ ጀነራል ስቲፈን ታውንሰንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ 'ኣፍሪኮም'፡ ጀነራል ስቲፈን ታውንሰንድ

ጀነራል ታወንሰንድ ከምዝበሎ፡ መጥቃዕትታት ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክውንዘፍ ተሓሲቡ ነይሩ።

እንተኾነ፡ መራሕቲ ኣልቃዒዳ፡ ኣልሸባብን ዳዕሽን፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ "ናይ ሽበራ ኣጀንዳኦም" ንምቕጻል ከም ዕድል ከም ዝጥቀምሉ ኣፍሊጦሙሉ ኣለዉ።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ በቲ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ ጭብጥ መረዳእታ ከምዘለዎም ይዛረቡ። ኣመሪካ፡ ሳሕቲ'ያ ኣብ ሶማልያ ሲቪላውያን ከምዝቐተለት ትገልጽ።

እቲ ጉጅለ፡ ካብቲ እቲ ንሞቓድሾ ብምቁጽጻር ንሓጺር እዋን መንግስቲ መስሪቱ ዝነበረ ብሕብረት እስላማዊ ቤትፍርዲ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዝተፈንጨለ ሕሉፍ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ'ዩ ነይሩ።

ሕብረት እስላማዊ ቤትፍርዲ፡ ብቐንዱ ካብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብዝበጽሖ መጥቃዐዕቲ እዩ ተበታቲኑ።