ኣመሪካን ኣውስትራልን ዝፈረመኦ ውዕል ጸጥታ ብዝምልከት ‘ሓስየን’ ክብል ፈረንሳዊ ሚኒስተር ኮኒኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካን ኣውስትራልን ነቲ ፈረንሳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣምባሳደራታ ክትጽውዕ ምኽንያት ዝኾነ ሓድሽ ውዕል ጸጥታ ብዝምልከት ከምዝሓሰያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኮኒኑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዢያን-ይቨስ ሌ ድርያን ምስ ቴሌቪዥን ፍራንስ 2 ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት እተን ሃገራት ጥሕሰት ከምዝፈጸማ ተዛሪቡ።

እቲ ኣኩስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውዕል፡ ኣወስትራልያ ብሓይሊ ኑክሌር ዝሰርሓ መራኽብ ውሽጢ ባሕሪ (ሳብማሪን) ክተፍርይ ዘኽእላ ቴክሎኖጂ ክትውንን ዝገብር እዩ፡፡

እዚ ድማ እቲ ፈረንሳ ምስ ኣወስትራልያ ዝፈረመቶ ናይ ብዙሕ ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ዘፍርስ እዩ።

ዩናይትድ ኪንግደም ዝትርከበሉ ሰሉሳዊ ስምምዕ ኣኩስ፡ ነቲ ቻይና ኣብ ኣከራኻሪ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዘለዋ ጽልዋ ንምዕጋት ዝዓለመ ከምዝኾነ እዩ ዝግመት፡፡

እንተኾነ እዚ ውዕል ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ዕላዊ ንምዃን ሰዓታት ምስተረፎ እዩ ንፈረንሳ ተነጊርዋ፡፡

ሚኒስተር ሌ ድርያን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ሞንጎ እተን መሓዙት ሃገራት‘‘ ከቢድ ቅልውላው’‘ ይዕንብብ ከምዘሎ ተዛሪቡ፡፡

‘‘ኣብ ታሪኽ ርክብ ኣመሪካን ፈረንሳን፡ ንፈለማ እዋን ኣምባሳደርና ጸዊዕና ምዝርራብና ፡ መጠን ናይቲ ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘለ ቅልውላው ዘመላኽት እዩ’’ ክብል ንፍራንስ 2 ገሊጹ፡፡

እቶም ኣምባሳደራት ነቲ ኩነታት ንምግምጋም ከምዝተጸውዑ ዝገለጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ብሪጣንያ ግን ‘‘በለጸኛ’’ ምዃና ስዝፈልጡ ኣምባሳደሮም ምጽዋዕ ከምዘየድለዮም ሓቢሩ፡፡

እቲ ብሽም ኣኩስ ዝተፈረመ ውዕሊ፡ ኣወስትራልያ ኣብ ዓለም ብኑክሌር ዝሰርሓ መራኽብ ውሽጢ ባሕሪ እትውንን ሻብዐይቲ ሃገር ዝገብራ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ተኻፋሊት ቴክኖሎጂ ውሽጢ ባሕሪ ክትከውን እያ፡፡

እቲ ውዕል ብቐንዱ ነቲ ኣብ 2016 ኣወስትራልያን ፈረንሳን ብ 37 ቢልዮን ዶላር 12 መራኽብ ውሽጢ ባሕሪ ንምስራሕ ዝፈረመኦ ስምምዕ ዘፍርስ እዩ፡፡

ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኣውስትራልያ ዢያን-ፔሬ፡ ነቲ እታ ሃገር ዝወሰደቶ በይናዊ ውዕሊ ናይ ምፍራስ ተበግሶ ‘‘ዓብዪ ስሕተት’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡

ቻይና ብወገና ነተን ሓድሽ ውዕሊ ዝፈረማ ሰለስተ ሃገራት ‘‘ናይ ዝሑል ኲናት ኣተሓሳስባ’’ ዘለወን ክትብል ከሲሳተን፡፡

ምምሕዳር ባይደን ነቲ ምስ ፈረንሳ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝዘራረብ እውን ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ጻዕዳ ቤተ መንግስቲ ገሊጹ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ማሪስ ፓይነ ብወገና እቲ ብወገን ፈረንሳ ዝተፈጠረ ቅረታ ከምእትግንዘቦ ብምሕባር ንክልተኣዊ ርክባት እተን ሃገራት ዋጋ ከምእትህብ ኣፍሊጣ፡፡