ሃገራት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቀን ብዙሓት

ካቡል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ኣፍጋኒስታን መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለወን ኣጠንቂቐን።

ዜጋታተን ናብቲ ካበቢ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ’ውን ሓቲተን። ኣውስራልያ፣ ኣመሪካን እንግሊዝን ንዜጋታተን መጠንቀቕታ ካብ ዝሃባ ገለ ይርከበአን።

ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ዜጋታተን ድማ፡ ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ኣተሓሳሲበን።

ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ካቡል ካብ ዝቆጻጸራ ጀሚሩ፡ ዛጊድ ልዕሊ 82 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ክጓዓዓዙ ምግባር ከምዝተኽኣለ ይሕበር።

እቲ ቀዲሙ ዝተቐመጠ ዕለተ ገደብ 31 ነሓሰ ከይኣኸለ ዝተረፈ ዜጋታቶም መሊኦም ከውጽኡ ይጓየዩ ኣለዉ።

ሕዚ’ውን ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ካብኡ ወጻእን ኮይኖም ዝጽበዩ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተስፋ ኣይቀበጹን ኣለዉ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ጣሊባን ዋላ ድሕሪ እቲ ዕለት ሃገራት ዜጋታተን ከውጸአ ክፈቕዱ እዮም እንተኾነ’ቲ ዕለተ ገደብ ክናዋሕ ኣይክፈቕዱን።

በቲ ዝተቐመጠ ዕለት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ምድሪ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ክወጽኡ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ካልኦትእንታይኢሎም?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ክፈጸም ከምዝኽእል እሙን ሓበሬታ ኣለና” ኢሉ።

እዚ ድማ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ገለ መእተዊ በርታት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ብቕልጡፍ ነቲ ከባቢ ክለቁ መጠንቀቕታ ምስ ኣውጸአ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተዋሂቡ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ተመነሳሳሊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኣሎ፤ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ውሑስ ቦታ ክንቀሳቐሱ ይሓትት።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር፡ ኣብቲ ከባቢ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከፍጸም ይኽእል እዩ ይብል።

እንተኾነ ካብተን ሃገራት፤ ብዛዕባ እቲ ስግኣት መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሃበት የላን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ እቲ ብወተሃደራት ኣመሪካ ሓለዋ እናተገበረሉ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ካብ ዳዕሽ [እስላማዊ ጉጅለ -ኢኣይ ኤስ] መጥቃዕቲ ክበጽሖ ከምዝኽእ ዓቢ ስግኣት ኣሎ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ከምዝወጽኡ ሚስተር ብሊንከን ትማሊ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ በቲ ዝተትሓዘላ ዕለት ዜጋታት ኣውጺኣ ንምውጻእ ከምቲ ዝወጠነቶ ተሳልጥ ከምዘላ እዩ ገሊጹ።

“ኣመሪካ እዚ ጥራይ እያ ክትገብር እትኽእል” ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ዕለት’ውን እንተኾነ፡ ኣመሪካውያን ኮኑ ካልኦት ዜጋታት ወጻኢ ከምኡ’ውን ከውጽኡ ዝደልዩ ኣፍጋኒስታውያን ከወጽኡ ከምዝፈቅድ ቃል ከምዝኣተዩ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ዛጊድ ግን፡ ልዕሊ 1500 ኣመሪካውያን ኣብታ ሃገር ክህልው ከምዝኽእሉ እዩ ይግመት።

ሲኣይኤን ካልኦት ትካላት ድሕነትን ኣመሪካ፡ ንዜጋታቶም ንምውጻእ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ይገብሩ ከምዘለዉ ይዝረብ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኮነ ካብኣ ወጻኢ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ብምጥቃም ዜጋታቶም ኣብ ምትእኽኻብ ይነጥፉ ኣለዉ። ብሓፈሻ 10 ሽሕ ሰባት ብስርሒት ኣመሪካ ካብ ካቡል ንምውጻእ ገና ይጽበ ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ።

እንተኾነ ካልኦት ብዙሓት ስግኣት ዝሓድሮም ኣፍጋኒኦስታውያን ክወጽኡ ዝደልዩ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር። ወኪላት ቢቢሲ ብዙሓት ሕጋዊ ናይ ጉዕዞ ወረቐት ዝሓዙ ኣፍጋኒስታውያን ካብ ኣፍደገ መዕርፎ ነፈርቲ ይመልስዎም ከምዘለዉ ይገልጹ።

ጆ ባይደን ግን፡ ኣመሪካ ውሕስ ዝኾነ ምውጻእ ሰባት ንምቕጻል ዝካኣል ኩሉ ክትገብር እያ እዩ ዝብል።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብ5800 ወተሃደራት ኣመሪካን ሓደ ሽሕ ወተሃደራት እንግሊዝን ይሕሎ ኣሎ።