ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጣሊባን ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጣሊባን ዝኾነ ሙላህ ዓብዱል ማናን ኣክሁድ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብመጥቓዕቲ ኣየር ተቐቲሉ።
ሙላህ ዓብዱል ማናን ኣክሁድ፡ ኣብ ዞባ ሀልማድ ኣመሓዳርን ኣዛዚ ሰራዊትን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብቐዳም ኣብ ጎደና ናውዛድ ከምዝተቐተለ፡ ሰብ መዚ እቲ ዞባ ሓቢሮም።
ጣሊባን ንሞት ሙላህ ዓብዱል ማናን ኣክሁድ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ እኳ እንተገለጹ፡ ካብ ዳግማይ ምቁጽጻር ኣፍጋኒስታን ከምዘይዓግቶም ኣፈሊጦም።
ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍጋኒስታን ናጂብ ዳኒሽ ፡ ሞት እዚ ላዕለዋይ ሓላፊ ጣሊባን፡ ነቶም ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ጣሊባን ዘሰንበደን ንሞራሎም ባይታ ዘዝብጥን ምኳኑ ንኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።
ዞባ ሀልማድ ወተሃደራት ብሪጣንያ ዓስኪሮሙሉ ዝነበሩ ዞባ ኮይኑ፡ ኣጋር ሰራዊት ብሪጣንያ ኣብ 2014 ካብቲ ዞባ ድሕሪ ምልጋሱ ዝበዝሐ ክፋል እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጣሊባን'ዩ ዝርከብ።
ቢቢሲ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ወትሃደራት ጣሊባን ድሕሪ 2014 ኣብ ኣፋጋኒስታን ዝዓበየ ክፍል ተቆጻጺሮም ከምዘለዉ የርኢ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 15 ሚልዮን ዝኾኑ ኣፍጋናውያን፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጣሊባን ዝቆጻጸሮ ቦታታትን ኣብ ሓውሲ ምቁጽጻር ጣሊባን ዝርከብ ቦታታት ይነብሩ ኣለዉ።
ጣሊባን፡ ዝሓለፈ ወርሒ ጉዳይ ኣፋጋኒስታን ብዘተ ንምፍታሕ ናብ ሩስያ እኳ ወኪላቱ እንተለኣኸ፡ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብኣካል ንምዝታይ ግን ሓንጊዱ ይርከብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







