ኣመሪካ፡ ኣብ መዐሸጊ ጀላቡ ብዝተልዓለ ባርዕ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣላባማ፡ ከተማ ስኮትስቦሮ፡ ጀላቡ ኣብ ዝዓርፋሉ ገማግም ብዝተልዓለ ሓዊ ብውሑድ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱን 35 ጀላቡ ከምዝተቓጸላን ሰብ መዚ ገሊጾም።
በቲ ቀልጢፉ ዝተላብዐ ሓዊ፡ መዐሸጊአን ፈሪሱ እተን ጀላቡ ከምዝጠሓላ 'ውን ተገሊጹ።
ካብቲ ባርዕ ሓዊ ሃዲሞም ናብ ማይ ዝኣተዉ ሸውዓተ ሰባት ምድሓን ዝተኽኣለ ኮይኑ፡ ዛጊድ መልዐሊ እቲ ባርዕ ኣይተፈለጠን።
ነቲ ኣብ መዐሸጊ ጀላቡ 'ተኒስ ሪቨር' ዘጋጠመ ክስተት "ኣዝዩ ዘሰምብድ" ክብል ዝገለጾ ሓላፊ ምቁጽጻር ሓዊ ጀኒ ኒክላውስ፡ መጠን እቲ ሓደጋ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ፎቶታት ተር ዝበላ ጀላቡ እንትቃጸላ ዘርእዩ ኮይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መትሓዚታት ነዳዲ፡ ነቲ ባርዕ ሓዊ ከየጋደደዶ ከምዘይተርፍ 'ውን ገለ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
እቲ ኣብታ 14 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ዝወረደ ዕንወት ንምጽራይ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ክወስድ ከምዝኽእል ጀኒ ኒክላውስ ተዛሪቡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







