ኣውስትራልያ ጉግልን ፌስቡክን ንዜና ክኸፍሉ ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውስትራልያ፡ ፌስቡክን ጉግልን ኣብ መድረኻቶም ንዝዝርጋሕ ዜና ክኸፍሉ ዘገድድ ፈላማይ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣጽዲቓ።
ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ሕጊ ክረቅቕ እንከሎ፡ ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዜና ከም ዘይርእዩን ከም ዘይዝርግሐዑን ገይሩዎ ነይሩ።
እቲ ዝረቐቐ ሕጊ ቁሩብ ምምሕያሽ ተገይርሉ ፌስቡክን ጉግልን በቲ ሕጊ ንከይቕየዱ ዝገብሩ ምምሕያሻት ተገይሩሉ ክጸድቕ እንከሎ፡ ሕጂ'ውን ግን እቶም ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ንውሳነ መንግስቲ እታ ሃገር ተቓዊሞም ኣለው።
እንተኾነ፡ ክልቲኦም ኩባኒያታት ንገለ ዓበይቲ ሓተምቲ ዜና ኣውስትራሊያ ልዑል ገንዘብ ክኸፍሉ ቃል ኣትዮም።
እዚ ስምምዕ ከም መዋገዪ ከም ዝርእዩዎ ድማ ገሊጾም።
እዚ ኣውስትራልያ ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ፡ ካልኦት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ መምርሒ ብምጥቃም ኣብ ኢንተርነት ብዝጥቅዑ ዜናታት ዕድል ስራሕ ክፈጥራሉ ክሕግዝ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ፡ ፌስቡክን ጉግልን ኢንተርነት ከመይ ከም ዝሰርሕ "መሰረታዊ" ናይ ርድኢት ጸገም ኣሎ ይብሉ።
እዚ ሕጊ እንታይ'ዩ?
ኩባኒያታት ቴክኖሎጅን ትካላት ዜናን ኣብ ሞንጎኦም ውዕሊ ክፍሊት ክህሉ ክሰማምዑ ኣለዎም።
እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ዳንነት ተራእዩ ይፍታሕ።
ብተወሳኺ እቶም ኩባኒያተት ቴክኖሎጂ ናይ ኣልጎሪዝም ለውጢ ክገብሩ እንከለው ነቶም ሓተምቲ ዜና ከፍልጡዎም እቲ ሕጊ የገድድ።
ይኹን'ምበር እዚ ዝተመሓየሸ ሕጊ መንግስቲ እቶም መተግበሪታት ንጋዜጠኝነት ዘለዎም ኣበርክቶ ኣብ ግምት ከእቱ የገድዶ።
እዚ ማለት፡ ፌስቡክን ጉግልን እቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ሙሉእ ንሙሉእ ክሰግሩዎ ይኽእሉ'ዮም።
ብተወሳኺ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ተጠቒሙ ነቶም ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ክሓቶም እንተኾይኑ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከፍልጦም ኣለዎ።
ፌስቡክን ጉግልን ግን ሰባት ብቐሊሉ ዜና ክረኽቡ ኢና ንሕግዝ ብምባል፡ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ነቲ ሕጊ ከመሓይሾ ሓቲቶም።
ጉግል እቲ ዜና ናይ መአለሺ ሞተር ካብ ኣውስትራሊያ ከውጽኦ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ ግን ምስ ናይ ኢንተርተይንመንትን ሰቨን ዌስት ሚዲያን ዝርከቡዎም ናይታ ሃገር ሚዲያታት ስምምዕ 47 ሚሊየን ዶላር ፈሪሙ።
ብሰሉስ፡ ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ዜና ከይርእዩን ከይጥቅዑን ዘሕለፎ ስጉምቲ ኽልከላ ከም ዘልዕሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ድረ ገጽ ዜና ኣውስትራሊያ ኣይሰርሕን።
ብኻልእ ወገን ምስ ሰቨን ዌስት ሚዲያ ሓደ ስምመዕ ክገብር እንከሎ፡ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ዜና ውስትራሊያ'ውን ኣብ ዝርርብ ይርከብ።
ክልቲኦም ኩባኒያታት ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ብደረጃ ዓለም ኣብ ኢንዳስትሪ ዜና ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሓደ ቢሊየን ዶላር ሰሊዖም ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







