ፌስቡክ፡ ኣውስትራልያውያን ተጠቀምቱ ዜና ከይርእዩን ከየካፍሉን ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፌስቡክ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ተጠቀምቱ፡ ዜና ከም ዘይርእዩ ከምኡ'ውን ናብ ካልእ ሰብ ከም ዘየካፍሉ ምግባሩ ኣፍሊጡ።
እቲ ስጉምቲ ግብረመልሲ ናይቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ኣብ መድረኻቶም ንዝዝርጋሕ ዜናዊ ትሕዝቶታት ክኸፍሉ ዝጠልብ ዝረቐቐ ሕጊ ምዃኑ ይግለጽ።
ሎሚ ንጉሆ ኣውስትራልያውያን ፌስቡክ ኣብ ዝኸፈትሉ፡ ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ዓለምለኻውን ዜና ዝዝርግሓ ገጻት ክረኽብወን ኣይከኣሉን።
ብርክት ዝበሉ፡ መንግስታዊ ናይ ጥዕናን ህጹጽ ሓበሬታን ገጻት'ውን ተኣጊዶም ዝነበሩ ኮይኖም፤ ፌስቡክ ብጌጋ ዝተገብረ ምዃኑ ሓቢሩ።
ካብ'ታ ሃገር ወጻኢ'ውን ነቶም ናይ ኣውስትራልያ ማእከናት ዜና ምክፋት ዘይከኣል ኮይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ኣውስትራልያ እቲ ስጉምቲ "ንገጅፍ ሓይሊ ዕዳጋ እዞም ዓርሞሸሽ ማሕበራዊ ትካላት" ዘነጻጸረ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብጽኑዕ ኮኒንዎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ከባቢ 17 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ንመርበብ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም ዝርእዩ ክግለጽ እንከሎ፤ እቲ እገዳ "ዓቢይ ማሕበረሰባዊ ጽልዋ" ከም ዘስዓበ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ጆሽ ፍሪደንበርግ ሓቢሩ።
መንግስቲ ነቲ ሕጊ ንምጽዳቕ ኣንቂዱ ምህላው ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር "[ፌስቡክ] ኣብ ኣውስትራልያ ክህልው ድልየትና እዩ፤ እንተኾነ ግና እቲ ሎሚ ዝፈጸምዎ ተግባር ዘየድልይን ጌጋን እዩ" ኢሉ።
ጉግልን ፌስቡክን እቲ ሕጊ ንኣገባብ ኣሰራርሓ ኢንተርነት ዘየንጸባርቕን ንመድረኻቶም ርትዓዊ ብዘይኾነ መገዲ "ዝቐጽዕ" ምዃኑ ብምግላጽ ክቃለሱዎ ጸኒሖም ኣለው።
እንተኾነ ግና፡ ጉግል ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ምስ ገለ ትካላት ሚድያ ኣውስትራልያ ናይ ክፍሊት ውዕላት ምኽታሙ ተገሊጹ።
ፌስቡክ ስለምንታይ እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ?
ተቖጻጻሪ መራኸቢ ብዙሓን ኣውስራልያ፡ እቲ ዓውዲ ንትካላት ቴክኖሎጅን መራኸቢ ብዙሓንን ብማዕረ ዝተደላደለ ባይታ ክህልው ይደልይ።
በዚ ድማ እዩ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ንጸብጻብ ትካላት ሚድያ ኣብ ገጻቶም ከስፍርዎ እንተደልዮም ክፍሊት ክፍጽሙ ዘገድድ ሕጊ ዝረቀቐ።
ፌስቡክ ብወገኑ፡ ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን ተበጻሒ ክኸውን ዘኽእል መገዲ ስለ ዝዘርጋሕና ክንከፍል ክንሕተት ግቡእ ኣይኮነን ብምባል ይምጉት።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ከም ኤቢሲ ከምኡውን ሰዲኒ ሞርኒን ሄራልድ ዝኣመሰሉ መራኸቢ ብዙሓን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ኣለወን። ኣብዚ እዋን ግና ጸብጻባቶም ኣብ ገጻት ፌስቡክ ክዝርግሑ ኣይከኣሉን።
ትካላት ሕትመት ኣውስትራልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 228 ሚልዮን ክኸስቡ ዝኸኣሉ ብመገዱ ምዃኑ ፌስቡክ ይገልጽ።
ዋና ዳይሬክተር ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራልያ ዊልያም ኤስተን "ክንከፍል ንሕተት ዘሎና፡ ኣብ ገጻትና ክሕተም ብዘይሓተትናዮ ጸብጻባት እዩ" ኢሉ።
ፌስቡክ ኣብቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብመንግስቲ ኣውስትራልያ ዝውነኑ ናይ ፖሊስ፡ ትንበያ ኩነታት ኣየርን ካልእን ገጻት'ውን ኣጊዱ እዩ። እቶም ገጻት ብጌጋ ከም እተኣገዱን ክኽፈቱ ምዃኖምን እኳ እንተሓበረ መዓስ ከም ዝኽፈቱ ኣየነጸረን።
ግብረመልሲ ኣውስትራልያውያን እንታይ ይመስል?
ሃንደበት ኣብ ፌስቡክ ዜና ክረኽቡ ዘይከኣሉ ኣውስትራልያውያን ቁጥዐኦም ይገልጹ ኣለው። ብፍላይ ብመንግስቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ብፌስቡክ ዝከታተሉ ዝነበሩ ዜጋታት ናይ ሓበሬታ ክፍተት ከም ዝፍጠር ይዛረቡ።
ፒተር ፍሪት ዝተባህለ ነባሪ ሲድኒ "ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ሰባት ክገብርዎ ነዘፍቅዶ ነገራት ቀይዲ እናገበረሉ ክኸይድ እዩ ማለት እዩ" ኢሉ።
ኣማሊያ ማርሻል ዝተባህለት ካልእ ነባሪት ብወገና፡ "ፌስቡክ ኣብ እዋን ለበዳ ነዚ ውሳነ ምሕላፉ ክኣምኖ ኣጸጊሙኒ ኣሎ" ብምባል ናይ ፌስቡክ ገጻ ከምዝደምሰሰቶ ተዛሪባ።
ውሳነ ፌስቡክ ንዋሕዚ ሓበሬታ ዝገትእ ምዃኑ ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣውስትራልያ ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







