ሊብራ፡ ሓድሽ ናይ ፌስቡክ ዲጂታል ገንዘብን ኣፍሪቃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፌስቡክ ካብ መእተዊ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ጀሚሩ ከባቢ 2 ቢልዮን ዓማዊሉ ዋትሳፕ፣ ኢንስታግራንም ፌስቡክን ተጠቒሞም ገንዘብ ከንቀሳቕሱን ዕድጊ ክፍጽሙን ዘኽእል ኣማራጺ ከቕርብ ይሰርሕ ኣሎ።
ሊብራ ብዝብል ዝጽዋዕ ክሪፕቶ-ከረንሲ [ዲጂታላዊ ሜላ ምንቅስቓስ ገንዘብ] ንኣስታት 139 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን'ውን ተረባሕቲ ዝገብር'ዩ።
ኣብ ሃገራት ምዕራብ ካብ ዝርከቡ ዘመድ ኣዝማድን ፈተውትን ዝለዓለ መጠን ገንዘብ ናብ ኣፍሪቃ ይለኣክ።
ፌስቡክ ነዚ ዝውውር ገንዘብ ዘቀላጥፍን ቀሊልን ኣማራጺ ሒዙ ክመጽእ ብምክኣሉ ንኣፍሪቃ ዝለዓለ ረብሓ ከም ዝህልዎ ይግመት።
ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ኣንዴሊ ማሱኩ "ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እየ ዝነብር። ካብ ደገ ዝለኣኸለይ ገንዘብ ተቐቢለ ናብ ዚምባብወ ንምልኣኽ ከቢድ ስግኣት ኣለኒ። ዝተቐበልክዎ ገንዘብ ብቐትሩ ክውረር እኽእል እየ" ይብል።
ፌስቡክ ሒዝዎ ዘሎ ትልሚ ነዞም ስግኣታት ካብ ምእላይ ብተወሳኺ፡ ናብ ዝተወለዱለን ሃገራት ገንዘብ ዝልእኹ ሰባት ካብ ኣብጻሕቲ [ኣመሓላለፍቲ] ትካላት ዝሕተትዎ ዋጋ ዝንክይ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
ባንኪ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘውጽኦ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ናብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ዝለኣኽ ገንዘብ ካብቲ ናብ ካልኦት ዝለኣኽ ገንዘብ ዝበለጸ መተሓላለፊ ወይ መብጽሒ ዋጋ ይኽፈሎ።
ንኣብነት 200 ዶላር ብዌስተርን ዩንየን ወይ መኒ ግራም ንምልኣኽ 12 ዶላር ንመልኣኺ ክፍሊት ይሓትት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኻልእ ገጽ፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ክሪፕቶ-ክራሲ ዘለዎም ስግኣት ድህነት ንውጽኢታውነት ፌስቡክ ኮነ ኻልኦት ዲጂታል ባጤራታት ናብ ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ ይርከብ።
ነዚ ካብ ኣገልግሎት ዝኣገዳ ሃገራት ናይጄርያን ዚምባወን ይርከብአን። ክሪፕቶ-ካረንሲ ብምትቃም መንነት ገዝኣይ ከይተፈለጠ ምትዕድዳግ ይከኣል'ዩ።
በዚ ድማ ሕጋውነት ዘይብሎም ጉጅለታት ኣጽዋር ክዕድጉን ዕጸ-ፋርስ ከዘዋውሩን ይኽእሉ።
ንዘይጋዊ ዝውውር ገንዘብን ግብረ ሽበራን የተባብዑ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ቢትኮይንን ክሪፕቶ ከረንሲን ስግኣቶም ዝገልጹ ብዙሓት'ዮም።
ክሪይፕቶ-ከረንሲእንታይ'ዩ?
መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ 'ንክሪፕቶ-ከርንሲ'፡ ንድሕነት ዝውውር ገንዘብ ዘውሕስ፣ ተወሰክቲ ኣሃዛት ከይፍጠሩ ዝቆጻጸርን ገንዘብ ከም ዝተሰጋገረ (ዝተመሓላለፈ) ዘረጋግጽን ዲጂታላዊ ገንዘብ ክብል ይገልጾ።
ቢትኮይን'ከ?
ብሓጺርን ቅልል ዝበለን ኣገላልጽ፤ ዲጂታል+ገንዘብ+መተዓዳደጊ ብዝብል ምግላጽ ይከኣል። እዚ ኣማራጺ ከምቲ ኣብ ጁባና ሒዝናዮ እንንቀሳቐስ ዓይነት ቅርሺ (ሳንቲምን ናይ ወረቐት ገንዘብን) ዘይኮነስ፡ 'ኦንላይን' ኢንተርኔት ዝጥቀም ዲጂታላዊ ገንዘብ እዩ።
ሊብራ ብቪዛ፣ ማስተርካርድ፣ ኡበርን ታክሲፋይን [ኣገልግሎት ታክሲ ዝህቡ ትካላት] ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ።
ምቁራጽ ኢንተርኔት ኣብ ዝህሉ ግን እቲ ብፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ካልኦት መተግበሪታት (ኣፕሊኬሽናት) ዝፍጸም ዝውውር ገንዘብ ሽዑ'ዩ ዝቋረጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







