ቢልዮነራት ጎይቶት ቴክኖሎጂ ስለምንታይ ንኢትዮጵያ ሓርዮም?

ወናኒ ኣሊባባ ጃክ ማ (ጸጋም) ወናኒ ትዊተር ጃክ ዶርሲ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክልቲኦም ጃክ ኣብ ኢትዮጵያ'ዮም ዘለው። ወናኒ ኣሊባባ ጃክ ማን ወናኒ ትዊተር ጃክ ዶርሲን።

ትካል ኤሌክትሮኒክ ቻይና ኣሊባባ፡ ኣብ እስያ ዓብዪ ብጽሒት ዘለዎ ትካል'ዩ። ብኣርባዕተ ኣሜሪካውያን መናእሰይ ዝተመስረተ ትዊተር ድማ፡ ገዚፍ መድረኽ ማሕበራዊ ሚዲያ'ዩ።

ጃክ ማን ጃክ ዶርሲን፡ ቖጸሮ ከም ዘለዎም ሰባት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ናብ ኢትዮጵያ ምምጽኦም፡ ትኹረት ብዙሓት መራኸብቲ ብዙሃን ገዚኦም ቐንዮም።

ቻይናዊ ጎይታ ቢዝነስ ጃክ ማ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ መጽአ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ። ኣብ ፓርክ ኣይሲቲ ተረኺቡ ድማ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር 'ኤሌክትሮኒክ ዎርልድ ትሬድ ፎረም' [ኢደብልዩቲፒ] ዝተብሃለ ፕሮጀክት መሪቑ።

እዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ ዓለም ፍርያቶም ከላልዩን ክዕድጉን ንዝደልዩ ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ኢትዮጵያ ምቹእ ዕድል ዝፈጥር'ዩ ተባሂሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ካብ መስረትቲ ትዊተር ዝኾነ መንእሰይ ጃክ ዶርሲ፡ ኣብ ናይጄርያ ወይ ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብምጽናሕ፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣማራጺ ኢንቨስትመንት ንክዕዘብ'ዩ መጺኡ።

ግን ስለምንታይ ኢትዮጵያ?

እዞም ኩባኒያታት ኢትዮጵያ ዝመረጽሉ ምኽንያት እቲ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ሓደ ምዃኑ ዝጠቅስ ኣቦ መንበር - ፌርፋክስ - ኣፍሪካ ዘመዴነህ ንጋቱ፡ በብግዚኡ እናዓበየ መጺኡ ዝብሎ ቑጠብኣ'ውን ካልእ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይዛረብ።

"ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘሎ ቑጠባ ኢትዮጵያ ብጂዲፒ ሳልሰይቲ'ያ። እዞም ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ብፍርያት፣ ዝርግሐ ትሕተ ቕርጽን ካልኦት ዘፈራት ልምዓትን፡ ትኹረት ሰብ ሃፍቲ ትገዝእ'ያ ዘላ" ይብል።

ወሲኹ፡ "ክልቲኦም ጃክ፡ ነዚ ተገንዚቦም'ዮም መጺኦም። ብፍላይ ኣሊባባ፡ ብዕድመ ቐዳማይ ሚኒስትር'ዩ መጺኡ። ኣሊባባ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 800 ሚሊዮን ዓማዊል ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈርዩ ምህርታት ብቐሊሉ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ዘኽእል መድረኽ'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣሊባባ፡ 'ኣሊፔይ' ዝተብሃለ፡ ናይ መተዓዳደጊ መገዲ ኣለዎ። ኣቶ ዘመዴነህ፡ እዚ መገዲ ሓደ ዓብዪ ኣማራጺ ገይሩ ይርእዮ።

ዋና ኦፊሰር ስቴም ፓወር ዝተብሃለ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ከምኡ'ውን ኢንጀነሪንግ ዝተዋፈረ ትካል ኣቶ ኢዮኤል ኃይሌ ድማ፡ 'ኣሊፔይ' ናብ ዕዳጋ ኢትዯጵያ ምምጽኡ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ ይብል።

"ዓብዪ ጸጋ እዞም ኩባኒያታት፡ ስግግር ቴክኖሎጂ'ዩ። ከም ሃገር ዘለና ኣገልግሎት ኢ-ኮሜርስ ገና ታተ'ዩ ዝብል ዘሎ። ዲጂታል ቴክኖሎጅን ኢ-ኮሜርስን ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዎም። ናይ ቴክኖሎጂ ባህሊ ናብ ሃገርና ምእታው ዝህልዎ ረብሓ ድማ ቀሊል ኣይኮነን" ክብል ይገልጽ።

ኣሊባባን መንግስተቲ ኢትዮጵያን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዓለምለኸ ማእኸል መራኸቢ ንግዲ ንምህናጽ ተሰማሚዖም'ዮም።

ኣቶ ዘመዴነህ ከም ዝብሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ከምዚኦም ዝበሉ ዓለምለኻዊ ትካላት ቴክኖሎጂ ናብ ኢትዮጵያ እንትመጽኡ ኣይርአን ነይሩ።

"መብዛሕትኡ ግዘ ናብ ሩዋንዳ'ዮም ዝኸዱ ነይሮም። ሩዋንዳ ግን ንኡሽቶ ሃገር'ያ። ኢትዮጵያ ዓባይ ስለ ዝኾነት፡ ዓብዪ ኣማራጺ ኣለዋ። ንኣብነት ትዊተር ዓብዪ መድረኽ ማሕበራዊ ሚዲያ'ዩ" ብምባል፡ ኢትዮጵያ ተመራጺት ከም ዝገብራ ይገልጽ።

ከም እምነት ኣቶ ዘመዴነህ፡ እዞም ገዘፍቲ ኩባኒያታት ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ኣብ ቴክኖሎጂ ጥራሕ መዋእለ ንዋዮም ንምውፋር ዘይኮነ፤ ኣብ ካልኦት ኣማራጺታት ኢንቨስትመንት'ውን ንምስታፍ'ዩ።

"ሽልማት ኖቤል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትኹረት ስሒቡ'ዩ። ንኣብነት ኣነ ኣብ ዝተዋፈርኩሉ ማሕበረሰብ ኢንቨስትመንት ልዑል ትኹረት ተዋሂቡዎ'ዩ። እቲ ሽልማት ንኢትዮጵያ 'ብራንዲንግ' [ምስሊ] ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ'ዩ" ኢሉ።

ወነንትን መስረትንን ክልተ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮን ንምውፋር ከም ዝተለመ ይእመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መስራቲ ኣፍሮ ኤፍኤም፣ ቴሌቪዥን ቃናን ኮሚዩኒኬሽን 251ን ኣቶ ኣዲስ ኣለማየሁ "ክልተ ቢሊየነራት መጺኦም ማለት፡ ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያ ካብቲ ካርታ ኣይትፍሓቑን ማለት'ዩ" ብምባል ምብጻሕ እዞም ሰብ ሃፍቲ ብዙሕ ረብሓ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ንፈለማ እዋን ይመስለኒ ቢሊየነራት ሃገር ክንርኢ ኢሎም ዝመጽኡ። እዚ ማለት ሃገርና ድሕሪ ሕጂ ካብ ቴክኖሎጂ ርሒቓ ኣይትነብርን" ዝብል ኣቶ ኣዲስ፡ "በዚ ኣቢሉ ኢትዯጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ንዓለም ዝኸውን ብዙሕ ክእለት ዘለዎም መናእሰይ ኣለውና'ዮም። እዞም መናእሰይ ሕጂ ጽቡቕ ነገር ክርእዩ ክጅምሩ'ዮም" ክብል ይዛረብ።

ነዚ ድማ፡ ለውጢ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሓድሽ በሪ ከፊቱ'ዩ ይብል።

"ሓደሽቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ቴሌኮም ክኣትው'ዮም። እቲ ዘሎ ጸገም ኢንተርነት ክፍታሕ'ዩ ኢለ ድማ ይኣምን። ካልእ፡ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝቢ ኣለና፤ እዚ ብማእኸላይ 18 ዓመት ዕድመ ዘሎ'ዩ። ቑጠባዊ ዕብየትና'ውን ቅልጡፍ'ዩ" ክብል የረድእ።

እዞም ጎይቶት ቴክኖሎጂ ካብ መንግስቲ እንታይ ይደልዩ?

ኣሊባባ ኣብ ኢትዮጵያ ውጽኢታዊ ንክኸውን፡ 'ኣነ ሰራሕተኛ መሸጣ፣ ማኔጀር ኮይነ ከገልግል'የ' ዝበለ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ'ዩ።

ኣቶ ዘመዴነህ ነዛ ዘረባ የልዕል። "መንግስቲ ፍቓድ ምሃብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝመጽእ መውፈራይ ንቑሕ ተሳትፎ ንክገብር፡ ንሱ [ቀዳማይ ሚኒስትር] ዝበሎ ነገር ሓቂ'ዩ። እዞም ኩባኒያታት ውጽኢታዊ እንተኾይኖም፡ ንሃገርና 'ብራንድ አምባሳደር' ክኾኑ'ዮም" ይብል።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ዝተጀመረ ከይዲ ቐጻልነት ንክህልዎ፡ ሓድሽ ፖሊሲ ክመጽእ ኣለዎ ኣብ ዝብል እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ይሰማምዑ።

"መንግስቲ እቲ ዝጀመሮ ኣጀንዳ ለውጢ ክፍጽሞ ኣለዎ። ነቲ መንእሰይ፡ ብፍላይ ድማ ንጀመርቲ ኢንቨስተራት ፍሉይ ዝኾነ ፖሊሲ ከውጽእ ኣለዎ። ሓደ መንእሰይ ስራሕ ክሰርሕ እንትብል፡ ክሳብ እቲ ዝኽፈል ግብሪ ዘሎ ጉዕዞ ከቢድ'ዩ" ይብል ኣዲስ።

ንኣቶ እዮኤል ግን፡ ንቴክኖሎጂ ዘሎ ኣረኣእያን ሸርፊ ወጻእን'ዩ እቲ ክቕድም ዝግብኦ ጉዳይ።

"ዓብዪ ዕዳጋ ኣሎ፤ ይኹን'ምበር፡ ዲጂታል ማርኬቲንግ እንታይ'ዩ? ወይ'ውን ኢ-ኮሜርስ እንታይ'ዩ? ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካ ከመይ ትሸይጥ? እዞም ሓሳባት ብዙሕ ኣይፍለጡን" ይብል።

ነዚ ብኣብነት እንተደግፎ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተጠቃሚ 'ሞባይል ባንኪንግ' ዘለዋ ክልል ሶማሌ'ያ። ኣብ መዓልቲ ልውውጥ ብዙሕ ሚሊዮን ብር ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ቴክኖሎጂ እዚ ኣብ ምሕጋዝ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ምዃኑ ይዛረብ።

እዮኤል በዚ መንጽር ዝልወጡ ነገራት ከም ዘለው ብምግላጽ፡ "መብዛሕትኡ ሰብ ብደረቕ ኖት [ገንዘብ] 'ዩ ዝተዓዳደግ። ኤቲኤም'ውን ብኣግባቡ ዝጥቀም የለን። ኣብ ካልእ ቦታ'ውን ብዙሕ ስራሕ ይጽበየና'ዩ" ክብል ይገልጽ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ዶላር ዓብዪ ጸገም ክከውን ከም ዝኽእል ዝዛረብ ኣቶ እዮኤል፡ "ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ ኾይነ ካብ ኢንግሊዝ ወይአ ኣሜሪካ ሓደ ኣቕሓ ክዕድግ እንተደልየ፡ እዛ ሃገር እኹል ሸርፊ ወጻኢ ኣለዋ'ዶ? እዚ ሕቶ እንትለዓል፡ ኣሊባባ ብናይ ባዕሉ መገዲ እዚ ጸገም ክፈትሖ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ምቁርራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብዝምልከት፡ "ኣብ ኣፍሪቃ ዓብዪ ገመድ ፋይበር ካብ ዝተዘርግሐለን ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ'ኳ እንተኾነት፡ ምቁርራጽ ኢንተርነት ግን ኣሎ'ዩ። ይኹን'ምበር ክልቲኦም ኩባኒያታት ቴሌኮም ክኣትው'ዮም። እቲ ዘሎ ጸገም ድማ ከም ዝፈትሑዎ ይእመን" ይብል።

ናይ 2012 ኣ.ኢ በጀት ኢትዮጵያ፡ 386.9 ቢሊዮን ብር'ዩ። ዝተጻረየ ኣታዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሲ ድማ 4.2 ቢሊዮን ዶላር [ሕጂ ብዘሎ ሸርፊ ወጻኢ 126 ቢሊዮን ብር] እዩ።

ናይ ጃክ ማ ድማ፡ 36.6 ቢሊየን ዶላር [ልዕሊ ሓደ ትሪሊዮን ብር] እዩ።

እቲ ሕቶ ግን፡ ኢትዮጵያ ካብዞም ሰባት ንክትጥቀም ክንደየናይ ድልውቲ'ያ? ዝብል ይኸውን።