ትዊተር፡ ፖለቲካዊ 'መወዓውዒ' ኣይከተኣናግድን እዩ

ዋና ስራሕ መካየዲ ትዊተር ጃክ ዶርሲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዋና ስራሕ መካየዲ ትዊተር ጃክ ዶርሲ

ዋና ስራሕ መካየዲ ትዊተር ጃክ ዶርሲ፡ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘሉ ሓሳባት ሰባት ፈቒዶም ክሪኡዎም ዝግባእ 'ምበር ብሓይሊ ገንዘብ ክድፍኡ የብሎምን' ብምባል፡ ትዊተር ደጊም ፖለቲካዊ 'ውዕውዕ' ከምዘይፈቅድ ኣፍሊጡ።

"ኣብ መርበብ ሓበሬታ [ኢንተርኔት] ዝግበሩ ውዕውዕን ምልላይን ንንግዳዊ ዕላማታት ብጣዕሚ ጠቓምን ውጽኢታውን እንተኾነ'ኳ፤ ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ እንትመጽእ ግን ሓደጋ ዘስዕብ እዩ" ክብል ብትዊተሩ ኣዊጁ እዚ ላዕለዋዕ ሓላፊ እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ።

እቲ ዜና ኣብ ኣመሪካ ን2020 ዝነሓንሑ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ኣብ ክልተ መቒሉዎም።

ሓላፊ ጎስጓስ ዳግመ-መረጻ ፕረዚደንት ትራምፕ ብራድ ፓርስኬል፡ እቲ ውሳነ ሕዚውን ንፕረዚደንት ትራምፕን 'ዓቃባዊ' ሰልፍን 'ጸጥ' ንምባል ዝተምሃዘ እዩ ክብል ነቒፉዎ።

ወሃቢ ቃል ጎስጓስ ተነሓናሒ ሰልፊ ዲሞክራት፡ ቢል ሮሶ ብወገኑ ብገንዘብ ዝካየድ ጎስጓስ ነቲ ጽሬት ዲሞክራሲ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ ኢሉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ካሊእ ተነሓናሒ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾነ ፌስቡክ፡ ነዚ ስጉምቲ ተቓዊሙ ጠጠው ኢሉ።

መስራቲ ትካል ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ስጉምቲ ፖሊሲ ትካሉ ዝጻባእ ከምዝኾነ ተኸላኺሉ።

ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ፡ " ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ትካላት ብሕቲ ፖለቲካዊ ሓሳባት ክመምያ [ሳንሱር ክገብራ] ግቡእ ኣይኮነን" ኢሉ።

እቲ ትዊተር ዘውጸኦ እገዳ ግን ዝርዝሩ ኣብ ቀረባ ዝወጽእ ኾይኑ ካብ ሕዳር 22 ተግባራዊ ከምዝኸውን ተዘሪቡ።

ኣብ'ቲ ኣብ ትዊተር ገጹ ዝለጠፎ፡ ናብዚ ስጉምቲ ዝበጽሐሉ ስነ-ሞገት ኣብሪሁ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካየዱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውዕውዓት፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ካከየድ ንዝግበኦ ቅኑዕ ዘተ ዕንቅፋት ከምዝኾነ እዩ ገሊጹ።

ብርግጽ'ውን ከምዚ እንረተዘይገይርና፡ ብማሽን ተሓጊዞም ዝተሓላለፉ ፖለቲካዊ መልእኽታት ዘይግቡእ ጽዕንቶ ንከይግበር ግቡእና ከምዘይተዋጻእና እየ ዝቖጽሮ ኢሉ እቲ ሓላፊ ትዊተር።

ኣብ ልዕሊ መረጻ ዝግበሩ ግንዛቤ መጨበጢ መደባት ከምዘይሓውስ ውን ተዛሪቡ።

ኣብ 2016 ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ዘይተዓወተት ሂላሪ ክሊንተን፡ እቲ ሓድሽ ውሳነ ደጊፋ ወናኒ ትካል ፌስቡክ ድማ ክሓስባሉ ኣተሓሳሲባ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2