ሴራሊዮን፡ ኣብ ሃገሩ ተረሲዑ ኣብ መበል 101 ዓመቱ ዝሞተ ገዲም ተጋዳላይ

ሳሙኤል ሶሪ

ምንጪ ስእሊ, John Konteh

ሳሙኤል ሶሪ ሲሳይ ሓደ ካብቶም ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ብሪጣኒያ ዝተዋግኡ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን እዩ።

ሶሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መበል 101 ዓመቱ ኣብ ሴራሊዮን ሞይቱ።

ቢቢሲ ቅድሚ ምሟቱ ከዘራርቦ እንከሎ፡ ዳርጋ እቲ ዝበዝሕ ዝኽርታቱ ሃሲሱ እዩ ነይሩ።

ዓለም ከም ዝረስዓቶ ግን ፈጺሙ ኣይዘንግዐን።

ኣብ 2020 መበል 100 ዓመቱ ከኽብር እንከሎ ብዙሓት ኣባላት ስድርኡ ኣብ ጎኑ ነይሮም።

ንሱ ፓ ሶሪ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ፡ ናብ ኤዥያ ካብ ዝግዓዙ 90 ሽሕ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ሓደ እዩ።

ሽዑ፡ ጽሩይ ባድላ ተኸዲኑ፣ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተበርከትሉ ሜዳሊያታት ተሓንጊጡ ነቲ ቅድሚ ልዕሊ 75 ዓመታታት ኣብ በርማ ኣንጻር ጃፓን ዝነበረ ውግእ ከዘንቱ እንከሎ ዝኣረገ ኣይመስልን።

እንተኾነ መብዛሕትኦም ከምኡ ዝበሉ ገዳይም ተረሲዖም እዮም።

ኣብ ክሊ እዚ ፓ ሶሪ፡ ናብቲ ውግእ ክውሰዱ እንከለው ኣፍካ ዘኽድን ገንዘብ ከም ዝውሃቦም ቃል ተኣትይሎም ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ሰራዊት ብሪጣኒያ ግን፡ ካበይ መጺኦም ብዘየገድስ እንትርፎ መውጋእቲ ዘጋጠሞም ነዞም ገዳይም ካልኣይ ኲናት ዓለም ጥሮታ ኣይከፈሎምን።

ብ2019 ዝወጽአ ሰነድ ከም ዘመላኽቶ ኣፍሪቃውያን ወተሃደራት ኣብ ኣገልግሎት እናሃለው ካብቶም ኢንግሊዛውያን ብጾቶም ዝተሓተ ገንዘብ ይኽፈሎም ከም ዝነበረ የመልክት።

ፓ ሶሪ ግን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ሮያል ኮመንዌልዝ ገንዘብ ረኺቡ እዩ።

ሶሪ፡ ዋላ’ውን እቲ ዝተዋህቦ ካሕሳ ውሑድ እንተኾነ ኣብ 1939 ኣብ ናይ ኮተቴ ዕድሚኡ ኣብቲ “ጽቡቕ ኲናት” ዝብሎ ምስታፉ ኣየጣዕሶን።

ብህይወት እናሃለወ እቲ "Hitler ayy bongolio!" ዝብል መዝሙራት ሰራዊት ይዝክሮ ነይሩ።

ኣብዚ መዝሙር ዘለው ቃላት ሂንዲ ከም ዝኾኑን ትርጉሙ ከም ዘይዝክሮን ተዛሪቡ’ዩ።

እንተኾነ ሽም እቲ መላኺ ጀርመን ዝነበረ ሂትለር ኣብቲ ደርፊ ምህላው ኣንጻሩ ኣብ ዝካየድ ውግእ ንክሳተፍ ከም ዘእመኖ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ በርማ ምስ ወተሃደራት ሂትለር ከም ዝተዋግአ ሶሪ የዘንቱ ነይሩ።

ኣስታት 90 ሽሕ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኤዥያ ክዋግኡ ተመልሚሎም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, IWM/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 90 ሽሕ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኤዥያ ክዋግኡ ተመልሚሎም ነይሮም

ኣብቲ ግዜ፡ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ክፍለ ሰራዊት ምዕራብ ኣፍሪቃ ንምስላፍ ብዝተፈላለየ መገዲ ይምልመሉ ነይሮም።

ገሊኦም ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ናዚ ሂትለር ንምቅላስ ምዃኑ ተነጊሩዎም ከም ዝፍርሙ ተመራማሪ ታሪኽ ዶክተር ኦሊቨር ኦዌን ይገልጽ።

ፓ ሶሪ መጀመርታ ንስልጠና ናብ ናይጄሪያ ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብኡ ምስ ካብ ናይጄሪያ፣ ጋምቢያን ጋናን ዝተመልመሉ ወተሃደራት ተጸምቢሩ።

ናብ በርማ ክዘምቱ እንከለው ናይ ጫካ ውግእ ስለ ዝኾነ ዝጽበዮም ተባሂሉ ኣብ ጫካታት ናይጄሪያ ስልጠና ተዋሂቡዎም።

ወተሃደራት ኣብ ጭው ዝበለ ጫካ ናውታቶም ኣብ ርእሶም ጸይሮም ነዊሕ ስለ ዝጉዓዙ ብዙሓት ኣዝዮም ከበድቲ ዝኾኑ ግድላት እዮም ዘሕልፉ።

ብፍላይ ኣብ ዕጥቃዊ ሰውራ ብዙሓት ወተሃደራት ብሰንኪ ድኻም ከም ዝሞቱ ይዝረብ እዩ።

ፓ ሶሪ፡ ሓደ ግዜ ተረኛ እናሃለወ ድቃስ ከም ዝወሰዶ ይዝክር። ሃንደበት ክነቅሕ እንከሎ ሓደ ወተሃደር ኢንግሊዝ ኣብ ርእሱ ጎዞሞ ገቲሩ ከም ዝጸንሖን ክቐትሎ ከም ዘፈራርሖን ገሊጹ።

እዚ ኣጋጣሚ ድማ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ህይወት ወተሃደር ዘለዎ ኣረኣእያ ቐይሩዎ።

“እዚኣ ምስ ሓለፈት ትኽስ ኢለ እውን ኣይፈልጥን” ይብል።

እቲ ኲናት ምስ ኣብቅዐ ተመሊሱ ኣብ ሴራሊዮን ናብ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ’ዩ ኣትዩ።

እንተኾነ እቲ ከም ወተሃደር ኣብቲ ኲናት ዝገበሮ ጻዕሪ ቅድሚ ናጽነት ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዋላ ሓደ ዘኽብሮ ኣይረኸበን።

መንግስቲ’ውን ኣይጸምበሎን፤ ኣብ ሴራሊዮን ዋላ’ውን ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታ ገዳይም ካልኣይ ኲናት ዓለም እንተኾነ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ዝፍለጥ ኣይኮነን።