ስቶከርዌር፡ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰብኡት ነንስቶም ዝስልሉሉ ናይ ቴለፎን መተግበሪ

ቴለፎንን ላፕቶፕ ኮምፕዩተርን እትጥቀም ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማሪያ ምስ ሓደ ናይ ካቶሊክ ስድራ እያ ዓብያ። ወትሩ ሰንበት ድራር ብሓባር ይበልዑ ነበሩ።

ንሳውን ምስቲ ናይ ወለዳ ዝመሳሰል ስድራ ንምምስራት እዩ ነይሩ ድልየታ። ዝሓሰበቶ ኮይኑ ከኣ ሓዳር ጌራ።

ድሕሪ ገለ እዋን ግና ኣብ ሓዳራ ሽግር ክቀላቐል ጀመረ።

በዓልቤታ ከምቲ ኣቐዲማ ዝገመተቶ ክኾነላ ኣይከኣለን። መላእ ህይወታ ክቆጻጸር ይደልይ ነይሩ።

ከነኣእሳ ጀሚሩ፤ ጸኒሑ ከኣ ነቲ ናይ ገንዘብ ምንቅስቓሳታ ብምልኡን ንሰለስተ ውሉዶምን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ገበሮም።

ማርያ ምስ ምስ ካልኦት ሰባት ከይትራኸብን ስራሕ ከይትወፍርን ብሰብኣይ ተኸልከለት፤ ኮምፕዩተር’ውን ክትጥቀም ኣየፍቅደላን ነበረ።

ማርያ ን25 ዓመታት ብኸምዚ ዝበለ ጭቆና ዘለዎ ሓዳር ጸንሐት። ህይወታ ሲኦል ኮይኑ ተሰምዓ። ካብዚ ጨቋኒ በዓልቤታ ምፍታሕ ንርእሱ ፈተና ኮይኑዋ።

ሓደ መዓልቲ ግና ካብ ስድርኣ ሓገዝ ብምሕታት ሓዲጋቶ ተሰወረት። ሓድሽ ኣፍቃሪ ብምርካባ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ከኣ ላዕልን ታሕትን ክትብል ጀመረት።

እቲ ሓድሽ ኣፍቃሪኣ ግና ብስማ ሓጺር ናይ ቴለፎን መልእኽትታት ብተደጋጋሚ ይበጽሖ ነይሩ። እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ ኢሎም ተጨነቑ።

ማሪያ ነቲ መልእኽትታት ከምዘይጸሓፈቶ እያ ትገልጽ። ዝተዘራረቡሉ ጉዳያት ኩሉ እዩ መሊሱ ዝመጾም፤ ብዙሕ ክግረሙ ጀመሩ። ማሪያ ዝኣተወቶ ካፌ፡ ዝኸደቶ ቦታታትን ኩሉ ብዝርዝር ክንገራ ጀሚሩ።

እቲ ናይ ቀደም ሰብኣያ፡ ኣብ ዝኸደቶ ኩሉ ክመጽእ ምጅማሩ ሕቶ ይፈጥረላ ነይሩ። ኣበየናይ ጎደና ብእግራ ትጓዓዝ ከም ዘላ እቲ ቀዳማይ ሰብኣያ እናደወለ ይነግራ ነበረ።

ቃሕ ኣብ ዝበሎ ከኣ ደድሕሪ መኪናኣ እናሰዓበ ጥሩንባ እናነፍሐ የሰንብዳ። እዚ ንዕኣ ኣዝዩ ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ።ኣብ ካልእ እዋን ኣብ ቴለፎና ንዘሎ ስእልታት ወሲዱ ይሰደላ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ምስጢር እትብሎ ሓበሬታ ናብ ኢዱ ይበጽሕ ነይሩ።

ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣተወት። እዚ ኩነታት ተደማሚሩ ናብ ዝለዓለ ስነኣእምሮኣዊ ቅልውላው ኣቃሊዕዋ። ነቲ ኩነታት ተረጋጊኣ ምስ ረኣየቶ እቲ ቀዳማይ ሰብኣያ ‘ስቶከርዌር’ ዝበሃል ናይ ቴለፎን መተግበሪ ከምዝጥቀም ኣስተውዓለት።

ክኢላታት፡ ዘጠራጥሩ መተግበሪታት ኣብ ቴለፎናትና እንተርኢና ምእላዩ ይምዕዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክኢላታት፡ ዘጠራጥሩ መተግበሪታት ኣብ ቴለፎናትና እንተርኢና ምእላዩ ይምዕዱ

ስቶከርዌር እንታይ እዩ?

ነዚ ናይ ቴለፎን መተግበሪ ብብዝሒ ዝጥቀሙሉ ኣባላት ጸጥታ እዮም።ኣብዚ እዋን ግና ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ይርአ ኣሎ። ነዚ መተግበሪ ዝጥቀም ሰብ ቁጽሪ ቴለፎን ናይ ዝከታተላ ፍቅረኛኡ ብምእታው ጥራይ መላእ ህይወታ ክቆጻጸር ይኽእል።

እዚ ማለት ንእትጸሓሓፎም መልእኽትታት፣ ስእልታትን ተንቀሳቓሲ ምስልተትን ብምልኡ ክርእይ ይኽእል። እዚ ጥራሕ ግና ኣይኮነን። ኣፍቃሪቱ ኣበይ ከምዘላ ናይ ጂፒኤስ ሓበሬታ ይረክብ።

ማርያ ነቲ ጸገም ክትገጥሞ ኣንቀደት። ተመሳሳሊ ጸገማት ዝገጠሞም ሰባት ብምእካብ ሓደ ማሕበር ኣቖመት። እዚ ጉጅለ ኣብዚ እዋን፡ ንመተግበሪ ስቶከርዌር ምጥቃም ገበን ንክኸውን ብሕጊ ክእገድ ይቃለስ ኣሎ።

እቲ መተግበሪ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ምንቅስቓሳት ድሩት ምስ ኮነ ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነዚ ናይ ቴለፎን መተግበሪ ጉግልን ኣፕልን ካብ ማዕከኖም ክኣልይዎ ጸቕጢ ሓዪልዎም ኣሎ።

ጉግል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣፍቀርቲ ስለያዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዘገልግሉ ብዙሓት መተግበሪታት ካብ ማዕከኑ ኣልዩ ኣሎ።

እዞም መተግበሪታት ዝበዝሕ ግዜ ዕላማ ዝገብሩ ንወለዲ እዩ። ወለዲ ከኣ እቶም መተግበሪታት የድልይዎም እዮም። ደቆም ኣበይ ከም ዝውዕሉ ንምፍላጥ ነዞም መተግበሪታት ይጥቀሙ።

እንተኾነ ግና እቶም መተግበሪታት ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ኣንስቶም ስለያ ክፍጽሙ ዘተባብዑ ኮይኖም ኣለው። ሓደ ካብዞም መተግበሪታት ዝኾነ ስፓይፎን (SpyFone) ኣብ ኣሜሪካ ብፌደራል ኮምሽን ንግዲ ካብ ሕጊ ወጻኢ እዩ ብዝብል ተኣጊዱ ኣሎ።

እቲ ምኽንያት ከኣ ብዘይ ፍቓድ ናይቶም ሰባት ሓበሬታ ንካልእ ከምዘመሓላልፍ ስለዝተፈለጠ እዩ። እንተኾነ ግና ሎሚ’ውን ሓበሬታት ዝኣርዩን ዘመሓላልፉን መተግበሪታት ኣብ ዕዳጋ መሊኦም ኣለው።

እቶም መተግበሪታት፡ እቲ ሰብ ኣበይ ከምዘሎ፣ ናይ 24 ሰዓት ምንቅስቓሳቱ ናብ ካልእ ወገን ዘመሓላልፉ ብምዃኖም ልዑል ስግኣት ከምዝተፈጠረ ሰብሞያ የጠንቅቑ። ኣብዚ መዳይ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ንጥቕዓት ተቓሊዐን ይርከባ።

ቴለፎናትና ብስቶከርዌር ምጭዋዩ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኮነን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቴለፎናትና ብስቶከርዌር ምጭዋዩ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኮነን

ቴለፎናትና ብስቶከርዌር ከምዝተጨወየ ብኸመይ ንፈልጥ?

እዞም መተግበሪታት ብቴክኖሎጂ እኹል ፍልጠት ኣለዎም ንዝበሃሉ ክኢላታት’ውን ፈተንቲ እዮም። ዝተሰርሑሉ መገዲ’ውን ብቐሊሉ ክፍለጡ ዘኽእል ኣይኮነን።

ሻርለት በዚ መተግበሪ ኣብ ጸገም ካብ ዝኣተዋ ደቂኣንስትዮ እያ። ሓደ እዋን ቴለፎና ዘይንቡር ባህርያት ከርእይ ከምዝጀመረ ከኣ ትዛረብ።

ንኣብነት ባተሪ ቴለፎና ቀልጢፉ ይውዳእ። ቴለፎና ባዕሉ ጠፊኡ ዳግም ይውላዕ።ሽዑ’ያ ናብ ሞያውያን ምስከደት ቴለፎና ብስቶከርዌር ከምዝተጨወየ ዝፈለጠት።

ነቲ ጉዳይ ናብ ኣካላት ጸጥታ እኳ እንተወሰደቶ፡ ብዙሕ ኣይተገረሙን። “ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ክስልይ ጸገም ከምዘይብሉ ዝሓስብ ባህሊ ከምዘሎ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ” ትብል።

ኣብ ኢንትርነት ነዚ ኣፍቃሪትካ ናይ ምስላይ ስራሕ ከምዝሰርሑ ዝገልጹ ብዙሓት ትካላት ኣለው። ነቲ መተግበሪ ንምዕዳግ ግና ክፍሊት ብክሪፕቶካረንሲ (ዲጂታዊ ባጤራ) ይጠልቡ።

መብዛሕትኦም ሓቀኛታት እኳ እንተዘይኮኑ፡ ገለ ገለ ግና ነቲ መተግበሪ ንዓማዊል ከምዘቕርቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ንዕብየት እዚ ጸገምን ሳዕቤናቱን ኣብ ግምት ብምእታው ሕጂ ብዙሓት ሃገራት ነዞም መተግበሪታት ብሕጊ ይእግዳ ኣለዋ።

ንኣብነት ፈረንሳ፡ ኣብ 2020 ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘቤታዊ ዓመጽ ዘተባብዑ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ቴለፎን መተግበሪታት ብሕጊ ዘሕትቱ ጌራ ደንጊጋ ኣላ።

ነዞም መተግበሪታት ክጥቀም ዝተረኽበ ሰብ ብናይ ሓደ ዓመት ማእሰርትን 45 ሽሕ ዩሮ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክብየነሉ ይኽእል። ሰብ ሞያ ግና ካብዚ ንላዕሊ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ይገልጹ።

ብፍላይ ጉግልን ኣፕልን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መተግበሪታት ኣብ ማእከኖም ከይጸዓኑ መምርሒ እንተዘይኣመሓላሊፎም እቲ ጸገም እናበኣሰ እምበር እናተመሓየሸ ኣይመጽእን ይብሉ።