ገዲም በዓልመዚ ስለያ እስራኤል፡ ሞሳድ ኣንፃር ኢራን ዘካየዶም ስርሒታት ኣቃሊዑ

ሓላፊ ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድ ዝነበረ ዮሲ ኮህን፡ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድ ዝነበረ ዮሲ ኮህን

ሓላፊ ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድ ዝነበረ ዮሲ ኮህን፡ እስራኤል ኣንፃር ኢራን ተካይዶም ዝነበረት ስርሒታት ዘቃልሕ ቃለ-መሕተት ሂቡ።

እቲ በዓልመዚ ስለላ እስራኤል ነበር፡ መረዳእታታት ናቑጣታት ኒኩሌር ኢራን ብኸመይ ከምዝተሰረቑ'ውን፡ ወግዓዊ ጌሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2018 ሰራሕተኛታት ስለላ እስራኤል፡ ካብ ሓደ ናይ ኢራን መኻዚኖ ሰነዳት ኒኩሌር ብምስራቕ፡ ናብ እስራኤል ከምዝለኣኹ ገሊፁ።

ኣብ ኒኩለራዊ ማእኸል ናታንዝ ንዝተፈፀመ መጥቃዕትን ቅትለት ሓደ ሳይንቲስትን፡ ኢድ እስራኤል ከምዘለዎ'ውን ኣአንፊቱ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2015፡ ብቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ሓላፊ ሞሳድ ኮይኑ ዝተሾመ ዮሲ ኮህን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ፡ ካብ ትካል ስለላ እስራኤል ሞሳድ ብጡረታ ተሰናቢቱ።

ዮሲ ኮህን ብ1982 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ገና ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ከሎ'ዩ፡ ናብ ሞሳድ ተፀምቢሩ።

እቲ በዓልመዚ ሞሳድ ነበር፡ 'ቻናል 12 ኡቩዳ' ኣብ ዝበሃል ተሌቬዥን፡ ምስ ጋዜጠኛ ላ ዳያን'ዩ ነዚ ቃለ-መሕተት ኣካይዱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ፡ እቲ ቃለ-መሕተት ብተሌቬዥን እስራኤል ተመሓላሊፉ።

ኣብቲ ቃለ-መሕተት ካብ ሞንጎ ዘልዐሎም ዛዕባታት ድማ፡ ካብ ኢራን ተሰሪቖም ዝወፅኡ ሰነዳት ኒኩሌር ዓብይ ኣቓልቦ ረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንሚን ኔታንያሁ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2018 ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቶም ካብ ኢራን ዝተሰረቑ ሰነዳት ሒዙ ብምውፃእ፡ ኢራን ኒኩሌር ተማዕብል ከምዘላ ከረድእ ፈቲኑ ኔሩ።

እንተኾነ ኢራን ኣብቲ እዋን፡ ንክሲ እስራኤል ኣይተቐበለቶን።

ኣብ ግዘ ስልጣኑ ካብ ቴልኣቪቭ ኮይኑ ስርሒታት ዝከታተል ዝነበረ ዮሲ ኮህን፡ መኻዚኖ ኒኩሌር ኢራን ንምዝማት ኣብ ዝተገበረ ስርሒት'ውን ተሳቲፉ'ዩ።

ሻቡ ሰለልቲ ሞሳድ ናብቲ ናይ ኒኩሌር መኻዚኖ ብምእታው፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ካዝናታት ይኸፍቱ ከምዝነበሩ፡ ዮሲ ኮህን ገሊፁ።