ስዑዲ ዓረብ፡ ምስ መንግስቲ እስራኤል ምስጢራዊ ኣኼባ ኣይነበረን ትብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፡ ወራስ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ተራኺቡ ንዝብል ወረ ነጺግዎ።
ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሓን ኣል-ስዑድ፡ ዝኾነ ዓይነት ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዘይተኻየደ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መግለጺ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብወገኑ፡ ካብ ከተማ ተልኣቪቭ ብናይ ብሕቲ ነፋሪት ናብ ወደባዊ ከተማ ኒኦም ተጓዒዝካ ንዝልብ ክሲ፡ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ።
እቲ ርክብ ነይሩ እንተኾይኑ፡ እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ታሪኻውያን ጸላእቲ ሃገራት ናይ መጀመርታ ክኸውን እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኽልቲኣን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ጸቐጢ ክገብረለን ጺኒሑ'ዩ።
ትራምፕ፡ ኢስራኤል ምስ ኢማራት ዓረብ፡ ባሕረን፡ ከምኡ'ውን ሱዳን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ሓጊዝዋ'ዩ።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ጉዳይ ፍልስጤማውያን መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ ሃገሩ ኣብ እስራኤል ዘለዋ ፖሊሲ ከምዘይተቐየረ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ጉጅለ ልኡኽ እስራኤል ንፈለማ እዋን ንሱዳን ኣትዩ'ሎ። ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ተሰማሚዐነ ነይረን።
ምስጢራዊ ጉዕዞ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ናይ ብናይ ብሕቲ ነፋሪት ካብ እስራኤል ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሓን።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ መዝገብ ነፈርቲ ዝተረኽበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ እታ ነፋሪት ካብ ቴልኣቪቭ ተበጊሳ ብወሽመጥ ሲና ኣቢላ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እተርከብ ከተማ ኒኦም ስዑዲ ዓረብ ኣትያ።
ናታንያሁ፡ ሰንበት ምሸት ንወራስ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ከምዝረኸቦን፡ ኣብቲ ኣኼባ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሞሳድ ከምዝተሳተፈን ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ንዎል ስተሪት ጆርናል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም መራሕቲ ብዲፖሎማስያዊ ዝምድናን ብዛዕባ ኢራንን ከምዝተዘራረባን ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ክልኦም ሰበስልጣን ነቲ ተራኺቦም ዝብል ዜና ነጺጎምዎ ኣለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







