ሱዳን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ተሰማሚዓ

ባንዴራ ሱዳን ዝሓዙ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሱዳን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ከምዝተሰማምዐት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ንሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ኣመሪካ ድሕሪ ምልዓሉ'ዩ ነቲ ምስ እስራኤል ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ክልተ ሃገራት ዓረብ፡ ማለት ባሕሬንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ምስ እስራኤል ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራተን ይፍለጥ።

ሰዳን፡ ከም ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብ፡ እስራኤል ኣብ 1948 ካብ ትምስረት ጀሚራ፡ ከም ጸላኢታ ብምርኣይ፡ ኣፍልጦ ከይሃበታ'ያ ጸኒሓ።

"ካልኦት 5 ሃገራት ዓረብ'ውን ምስ እስራኤል ሰላም ክገብራ ድሌት ኣለወን" ክብል ትራምፕ ተዛሪቡ'ሎ።

ዮርዳኖስ ኣብ 1994 ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት እንከላ፡ እታ ንፈለማ እዋን ስምምዕ ሰላም ዝፈረመት ዓረባዊት ሃገር ግብጺ ድማ ኣብ 1974 ዝምድናኣ ምስ እስራኤል ፈሊማ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንሱዳን ብወግዒ ካብ መዝገብ ደገፍቲ ሽበራ ሃገራት ድሕሪ ምልዓሉ፡ ብቴለፎን ንመራሕቲ ሱዳንን እስራኤልን ከም ዘዘራረቦም ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ ስምምዕ "ኣገዳሲ ናይ ሰላም ምዕባለ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ ምጅማር "ሓድሽ መዋእል" ዘበስር'ዩ ኢሉ።

ልኡኻት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ተራኺቦም ብዛዕባ ንግዳውን ሕርሻውን ምትሕብባር ክዘራረቡ ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ብወገኑ፡ ሃገሩ ካብ መዝገብ ሽበራ ኣመሪካ ምውጻኣ ንፕረዚደንት ትራምፕ ኣመስጊኑ።

ይኹን እምበር ሓደ ብዓል ስልጣን ፍልስጤም እቲ ሱዳን ዝወሰደቶ ስጉምቲ "ከም ብሐድሽ ብኻራ ምውጋእ'ዩ" ክብል ተቓዊምዎ ኣሎ።