እስራኤልን ባሕሬንን ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤልን ባሕሬንን ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ከም ዝተሰማምዓ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።
"ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ካልኣይቲ ዓረባዊት ሃገር" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን ምስ እስራኤል ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራታ ይዝከር።
ብሰንኪ መዕለቢ ዝሰኣነ ጉዳይ ፍልስጤማውያን ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብ ንእስራኤል ከም ሃገር ኣፍልጦ ከይሃባ'የን ጸኒሐን።
ባሕሬን ኣሰር ኢማራት ዓረብ ክትስዕብ'ያ ዝብል ጽንጽንታ ክስማዕ ቀንዩ እዩ።
እቲ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምምጻእ ክጽዕር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ናይ ሕጂ ታሪኻዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኣብ ምምርግጋጽ'ውን ከም መንጎኛ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ተፈሊጡ።
ባሕሬን፡ ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ካብ ዝመስረታ ኣርባዕተ ሃገራት ዓረብ ሓንቲ ኮይና ኣላ።
ግብጽን ዮርዳኖስን ኣቐዲመን ነታ ኣብ 1948 ዝተመስረተት እስራኤል ኣፍልጦ ብምሃብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝመስረታ'የን።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቅዳሕ ናይቲ ብኣመሪካ፡ እስራኤልን ባሕሬንን ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ'ውን ኣብ ትዊተር ለጢፉ ኣሎ።
ቅድሚ'ቲ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እስራኤል ምስ ዝኾነት ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣይነበራን።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብክሊ ኣየር ስዑዲ ዓረብ ዝሓለፈት ነፋሪት መንገዲ ኣየር እስራኤል ናብ ኢማራት ዓረብ ፈላሚ በረራ ብምክያድ ንቁጠባዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣበሲራ ነይራ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







