ሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ክትወጽእ ‘335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ናብ ኣመሪካ ልኢኻ’

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሱዳን እንተደኣ ካሕሳ 335 ሚልዮን ዶላር ከፊላ፡ ካብ’ቲ ንግብረ ሽበራ ድጋፍ ካብ ዝገብራ ሃገራት ተባሂላ ዝሰፈረትሉ መዝገብ ኣመሪካ ክትስረዝ ምዃና ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ድማ፡ እቲ ገንዘብ ናብ ኣመሪካ ከምዝተልኣኸ፡ እንተኾነ ካብ ኣመሪካ ‘ተቐቢልና’ ዝብል መረጋገጺ ገና ከምዘይረኸቡ ተዛሪቡ።
ሱዳን፡ ‘ንሽበራ ካብ ዝምውላ ሃገራት’ ተባሂላ ኣብ መዝገብ ኣመሪካ ዝሰፈረት ካብ 1993 ጀሚሩ ክኸውን ከሎ፡ መራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ብመንግስቲ ተጋይሹ ኣብ ሱዳን ይነብር ብምንባሩ እዩ።
እቲ ካሕሳ ድማ፡ ኣል-ቃዒዳ ብ 1998 ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ክልተ ኤምባሲታት ኣመሪካ ምስ ዘብጸሖ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ዝኽፈል እዩ።
እቲ ኣብ ታንዛንያን ኬንያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 220 ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ፤ እቲ ሱዳን እትኸፍሎ ካሕሳ “ንኣመሪካውያን ግዳያት ሽበራን ስድርኦምን” ዝኽፈል ከም ዝኾነ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ርክብ ኣመሪካን ሱዳንን ይመሓየሽ እዩ ዘሎ።
ነታ ብጎንጺ-ክትሕመስ ዝጸንሐት ሱዳን ን 30 ዓመታት ዝመርሐ ኣል በሽር፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







