ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ንምውጻእ ንኣመሪካውያን ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዳን ንቤተሰብ ናይቶም ኣብ የመን ዝተቐተሉ ኣሜሪካውያን ባሕረኛታት ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ።
እቶም 17 ኣመሪካውያን ባሕረኛታት ኣብ ሓንቲ የመናዊት ወድብ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ እዮም ኣብ መርከቦም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።
እቲ ካሕሳ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ክትወጽእ፡ ብኣመሪካ ዝቐረበላ ቀንዲ ቅድመ ኩነት እዩ።
እንተኾነ እታ ሃገር ክንደይ ዝኣከል ገንዘብ ከምእትኸፍል ኣይተገለጸን።
ነቲ ኣብታ ወተሃደራዊት መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣልቃዒዳ ሓላፍነት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ግን እቶም ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃእቲ ዝፈጸሙ ክልተ ዕጡቓት፡ ኣብ ሱዳን ስለዝሰልጠኑ፡ ንሱዳን ተሓታቲት ትገብር።
ሱዳን ግን ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ትነጽጎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







