ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ንምውጻእ ንኣመሪካውያን ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ

ኣብ መርከብ ጠጠው ዝበለ ወታሃደር ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሱዳን ንቤተሰብ ናይቶም ኣብ የመን ዝተቐተሉ ኣሜሪካውያን ባሕረኛታት ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ።

እቶም 17 ኣመሪካውያን ባሕረኛታት ኣብ ሓንቲ የመናዊት ወድብ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ እዮም ኣብ መርከቦም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።

እቲ ካሕሳ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ክትወጽእ፡ ብኣመሪካ ዝቐረበላ ቀንዲ ቅድመ ኩነት እዩ።

እንተኾነ እታ ሃገር ክንደይ ዝኣከል ገንዘብ ከምእትኸፍል ኣይተገለጸን።

ነቲ ኣብታ ወተሃደራዊት መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣልቃዒዳ ሓላፍነት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ግን እቶም ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃእቲ ዝፈጸሙ ክልተ ዕጡቓት፡ ኣብ ሱዳን ስለዝሰልጠኑ፡ ንሱዳን ተሓታቲት ትገብር።

ሱዳን ግን ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ትነጽጎ።