መረጻ ኣመሪካ-2020፡ ትራምፕን ባይደንን ኣብ ርእሰ ጉዳያት ቀጻሊ ክትዕ ኣይተሰማምዑን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ተነሓናሒኡ ጆ ባይደንን ኣብ ዛዕባ ናይ መወዳእታ ናይ ቴሌቪዥን ክትዖም ኣይተሰማምዑን።
ጉጅለ ጎስጓስ ሰልፊ ሪፐብሊካን፡ ኣዳለውቲ ናይ'ቲ ክትዕ፡ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ከም ሓደ መካትዒ ርእሲ ዘይምሓዞም ንሰልፊ ዴሞክራት የዳልው ኣለው ክብሉ ከሲሶም።
ደምበ ባይደን ብወገኑ፡ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኣተኣላልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይሕተት ስለዝደለየ እዩ ክብሉ ነቒፎምዎ።
ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን፡ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ዘይወግዓዊ ገምጋም፡ ንትራምፕ ይመርሖ’ዩ ዘሎ።
እንተኾነ፡ ኣብ ኣገደስቲ ግዘኣታት ኣመሪካ ዘለዎ መሪሕነት ውሑድ እዩ።
ጎስጎስቲ መረጻ ትራምፕ እንታይ’ዮም ኢሎም?
ብሰኑይ፡ ደምበ ትራምፕ፡ መጻኢ ሓሙስ ኣብ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ናይ ቴሌቪዥን ክትዕ ዝቐርቡ ሕቶታት ምትዕርራይ ክግበረሎም ዝጠልብ ደብዳበ ናብ ኮሚሽን መረጻ ልኢኹ።
ኣካያዲ ስራሕ ጎስጓስ መረጻ ትራምፕ ቢል ስቴፈን ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ ርእሰ ጉዳይ እቲ ቀጻሊ ክትዕ፡ ብቐንዱ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ክኸውን ከም ዘለዎ ተሰማሚዕና ኢና ይብል።
እቶም መካትዒ ሓሳባት ዝሓለፈ ሰሙን ብኣዛታይትን ኣቕራቢት ዜናን ኤንቢሲ ክርስቲን ዌልከር ወግዓዊ ከም ዝኾኑ ይዝከር። እቶም ርእሰ-ጉዳያት፡ ስድራቤታት ኣመሪካ፣ ዓሌታውነት፣ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ሃገራዊ ድሕነትን መሪሕነትን ከም ዝኸኑ ድማ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣሪዞና ኣብ ዝነበረ ጎስጓስ መረጻ፡ ዶናልድ ትራምፕ ነታ ኣዛታይት “ኣኽራሪት ዴሞክራት” ኢሉ ዝገልጻ ኮይኑ፡ “ጽቡቕ ኣይኸውንን” ድማ ኢሉ።
ሓላፊ ጎስጓስ መረጻ ትራምፕ ስቴፈን ብወገኑ፡ “ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ንዘለዎ ታሪኽ ከወግድ ዝጽዕር” ክብል ንባይደን ዝነቐፈ ኮይኑ፡ ነቲ ኮሚሽን ድማ “ባይደን ካብ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሃድም” ይሕግዞ ኣሎ ክብል ነቒፉ።
ብሸነኽ ባይደን ዝተዋህበ ርኢቶኸ?
ደምበ ሰልፊ ዴሞክራት፡ ኾነ ኢሉ ካብ ሕቶታት ክሃድም ዝፍትን ዘሎ ትራምፕ’ዩ ይብሉ።
“ሕቶታት በቲ መዛተዪ ዝኾነ ሰብ ክሕረዩን ክዳለውን ከም ዘለዎም ናይ መረጻ ጎስጓስን እቲ ኮሚሽንን ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተሰማምዑሉ ጉዳይ’ዩ” ድማ ኢሎም።
ወሲኾም፡ “ሕጂ ግን ትራምፕ ነቶም ሕቶታት ስለ ዘይደለዮምን ኣብ ኣተኣላልያ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝወደቐን ነቶም ሕቶታት ፈሪሑዎም ኣሎ” ብምባል ነቒፎምዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕግታት ፕሬዝደንታዊ ክትዕ እንታይ’ዮም?
ድሕሪ’ቲ ናይ መጀመርታ ክትዕ፡ ብምኽንያት ካብ ህዝቢ ዝቐረበ ሓያል ነቐፌታ፡ ኮሚሽን መረጻ ሓድሽ ሕጊ ኣተኣታትዩ’ዩ።
እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ዘረባ ተወዳደርቲ፡ ድምጺ እታ ማይክራፎን ክጠፍእ ምግባር እዩ።
እቲ ን90 ደቓይቕ ዝግበር ክትዕ፡ ነፍሲ ወከፍ 15 ደቓይቕ ዝከፋፈል ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ርእሲ፡ ክልቲኦም ሕጹያት ከይተኾለፉ ዝዛረቡለን ክልተ ደቓይቕ ይውሃብኦም።
ኣብዚ ግዜ‘ዩ ማይክራፎን ናይቲ ሓደ ተዛራቢ ዝጠፍእ።
ዝሓለፉ ክልተ ክትዓት፡ ሓያል ነቐፌታ ዝቐረበሎም ምንባሮም ይፍለጥ።
ብ15 ጥቅምቲ 2020 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ካልኣይ ክትዕ ከላዝብ ዝተሓረየ ጋዜጠኛ ስቲቭ ስኩሊ፡ ንትራምፕ ዝነቅፍ ብምጽሓፉን ጸኒሑ ድማ ትዊተረይ ተጨውዩ’ዩ ኢሉ ብምሕሳዉን ክእገድ እንከሎ፡ እቲ ክትዕ’ውን ተሰሪዙ’ዩ።
ብሰኑይ ሓላፊ ጎስጓስ ትራምፕ ነቲ ናይ መጀመርታ ክትዕ ንዝኣለየ ጋዜጠኛ ፎክስ ኒውስ ክሪስ ዋላስ፡ ዳርጋ “ሳልሳይ ተነሓናሒ ወገን” ኮይኑ ንዶናልድ ትራምፕ በዲህዎ ክብል ነቒፉ’ዩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ክትዕ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ፡ ምንሻውን ምኹላፍን ዝበዝሖ ብምንባሩ ሓያል ነቐፌታ በጺሑዎ’ዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







