መንግስቲ ሱዳን ኣምባሳደሩ ኣብ ኣመሪካ መዚዙ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ገዲም ዲፕሎማሰኛ ኑረልዲን ሳቲ፡ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኣመሪካ ክኸውን ተመዚዙ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት'ዩ ክካየድ ጸኒሑ።
"እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታትን ሱዳንን ዝግበር ዘሎ ምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ርክባት" ምዃኑ፡ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ሱና ጸብጺቡ።
ጀነራል ዑመር ኣል-በሽር ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ሻሕኪሩ'ዩ ጸኒሑ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ብቐጻሊ ክመሓየሽ ተራእዩ።
ኣብ 1996 ኣመሪካ፡ ሱዳን ግብረሽበራ ተአንግድ ኣላ ብምባል ነቲ ኣብ ካርቱም ዝነበራ ኤምባሲ ምዕጻዋ ይዝከር።
መራሒ ኣል-ቃዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢን-ላድን ኣብቲ እዋን ኣብ ሱዳን ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብ 2002 ግን እቲ ኤምባሲ ዳግማይ ተኸፊቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምዃዱ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣምባሳደራት ክለዋወጣ ተሰማሚዐን ነይረን።
እዚ ሓድሽ ኣምባሳደር፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ፈረንሳ ኣምባሳደር ዝነበረ ኾይኑ፡ ድሒሩ ምስ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮንጎን ርዋንዳን ከም ዝሰርሐ ይንገረሉ።
ለውጥታት ዕዳጋ ወርቂ ኣብ ሱዳን
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዕዳጋ ወርቂ እታ ሃገር ለውጥታት ክገብር ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ሱዳን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሃብቲ ማዕድን ወርቂ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር'ያ።
ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዝሓሸ ዕዳጋ፡ ወርቂ ካብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክወጽእ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ ስጉምቲ፡ ነቲ ዕዳጋ ብምቁጽጻር ነቲ ኣብ ቅልውላዉ ኣትዩ ዝጸንሐ ቁጠባ ኣብ ምምሕያሽ ተራ ክጻወት ዝዓለመ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







