እስራኤልን ባሕሬንን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ጀሚረን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንብዙሓት ዓመታት፡ እስራኤል ምስ ጎረባብታ ሃገራት ኣዕራብ ብጎቦ ዓይኒ እናተረኣኣየት እያ ጸኒሓ።
መብዛሕተአን ሃገራት ኣዕራብ፡ ምስ እስራኤል ዝኾነ ዓይነት ርክብ ኣይነበረንን።
ምስ እስራኤል ርክብ ክገብራ ዝኽእላ፡ ምስ ፍልስጤም ዘለዋ ምስሕሓብ ምስእትፈትሖ ጥራይ ከም ዝኾነ እየን ዝገልጻ ነይረን።
ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ሃገራት ኣዕራብ ምስ እስራኤል ዝነበረን ቅርሕንቲ ገዲፈን፡ ሓድሽ ርክባት ክስርታ ጀሚረን ኣለዋ።
ባሕሬን ድማ ትማሊ ሰንበት፡ ብወግዒ ምስ እስራኤል ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ጀሚራ ኣላ።
እዚ ስምምዕ ብኣሸማጋልነት ኣመሪካ ዝመጽአ እዩ።
ነቲ ቅድሚኡ እስራኤል ምስ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብ ዝጀመረቶ ርክብ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብጻዕሪ ኣመሪካ ዝተገብረ ምዃኑ ይንገር።
ባሕሬን፡ ንሃገረ እስራኤል ብወግዒ ኣፍልጦ ዝሃበት ራብዐይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ዓረባዊት ሃገር ኮይና’ላ።
እስራኤል ኣብ 1948 ከም ሃገር ካብ ትቐውም ኣትሒዙ፡ ብወግዒ ዝተቐበልኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኣዕራብ ሃገራት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ባሕሬንን ኮይነን ኣለዋ።
ፍልስጤማውያን፡ እዚ ሃገራት ኣዕራብ ምስ እስራኤል ዝገብረኦ ዘለዋ ርክባት፡ ከም “ክሕደት” ብምርኣይ ኮኒኖምዎ።
እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ባሕሬንን ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ባሕሬን ኣብ ከተማ ማናማ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ሰብመዚ እስራኤልን ባሕሬንን ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክህልዎም እዮም ተሰማሚዖም።
በዚ መሰረት ድማ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኤምባሲታተን ክኸፍታ እየን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







