ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤል ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ባሕሬንን ንዝበጽሐቶ ስምምዕ 'የውሃና' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤል ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ባሕሬንን ዝበጽሐቶ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም 'ወጋሕታ ንማእከላይ ምብራቕ'ዩ' ክብል ኣወዲሱዎ።
እዘን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ትማሊ ሙሉእ ንሙሉእ ርክባተን ንምሕዳስ ከም ዝተሰማምዓ እቲ ፕሬዝደንት ገሊጹ።
ሰለስቲአን ሃገራት ታሪካዊ ዝበሃል ስምምዕ ዝፈረማ ኮይነን፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣሳሳዪ እቲ ስምምዕ'ዩ ነይሩ።
ጽምብል እቲ ስምምዕ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ካብ ጋዛ ናብ እስራኤል ሮኬት ከም ዝተወንጨፈ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።
እተን ሃገራት፡ ብ1948 ንዝተመስረተት እስራኤል ኣፍልጦ ካብ ዝህባ ብሳልሳይን ራብዓይን ዝጽውዓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እየን።
ዶናልድ ትራምፕ ስምምዕ እዘን ሃገራት ንቕድሚት ክወስደን ተስፋ ክገብር እንከሎ፡ ፍልስጤም ግን ምስ እስራኤል ዘለዋ ዘይተፈትሐ ጎንጺ ስለ ዘለዋ ኣፍልጦ ኣይትህቦን ዘላ።
በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ንዓሰርታት ዓመታት ንእስራኤል ኣፍልጦ ከይሃብኣ'የን ጸኒሐን።
"ንዓሰርታት ዓመታት ድሕሪ ዝነበረ ጎንጽን ምክፍፋልን ሎሚ ሓድሽ ወጋሕታ ማእከላይ ምብራቕ ተበሲሩ'ሎ" ዝበለ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ፌርማ "ታሪኽ ንምቕያር ኢና ኣብዚ ተረኺብና" ኢሉ'ዩ።
ቐዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብወገኑ "እዚ ዕለት ቀላሲ ታሪኽ'ዩ፤ ሓድሽ ድባብ ሰላም'ውን ኣብሲሩና ኣሎ" ክብል ገሊጹዎ።
ፕሬዝደንት ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ ግን እስራኤል ካብ ዝጎበጠቶም ግዝኣታት ክትወጽእ እንከላ'ዩ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ዝመጽእ ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ሰለስቲአን ሃገራት እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እስራኤል ጎበጣ ጠጠው እንተዘይኣቢላ ኣብዚ ዞባ ሰላም፣ ርግኣትን ድሕነትን ክመጽእ ኣይክእልን" ከም ዝበለ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ስለምንታይ'ዩ እዚ ስምምዕ 'ታሪኻዊ' ተባሂሉ?
ባሕሬንን ኢመራትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንእስራኤል ኣፍልጦ ቅድሚ ምሃበን፡ ብ1978ን 1994ን ስምምዕ ሰላም ዝፈረማ ግብጽን ዮርዳኖስን እየን።
ኣባል ሊግ ኣረብ ሰሜን ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሞሪታኒያ ብ1999 ምስ እስራኤል ዲፕሎማሲኣዊ ርክባት ክጸንሃ እንከሎ ብ2010 ሓርፊፉ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ ሕጂ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ምስ እስራኤል ሓድሽ ዝምድና ንምምስራት ድልየት ይህልወን'ዶ ዝብል ክኸውን ከም ዝክእል ይግመት።
ስዑዲ ዓረቢያ ግን ድልዊ ከም ዘይኮነት ብኣጋ ኣንጸባሪቃ ኣላ።
ፍልስጤማውያን'ውን በቲ ሓድሽ ስምምእ ሰለስቲአን ሃገራት ሕጉሳት ኣይኮኑን፤ ክሕደት ክብሉ ኮኒኖምዎ'ዮም።
እዚ ሓድሽ ስምምዕ ድማ ዋጋ ምስ እስራኤል ዝፍጠር ንቡር ርክብ ንፍልስጤማውያን ናጽነት'ዩ ዝብል መርገጺ ሃገራት ዓረብ ዝነበረ ዘፍርስ'ዩ።
እስራአል ምስ ሃገራት ዓረብ ሓድሽ ህዝባዊ ርክባት ትፈጥር ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌምን ዌስት ባንክን ጎቢጣትና'ዮም ዝብሉ ፍልስጤማውያን ምስ ኩርኦም ኣለው።
ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ግን መሪሕነት ፍልስጤም እዚ ኣጋጣሚ ምስ እስራኤል ፍርያት ዘምጽእ ልዝብ ንምክያድ ክትጥቀመሉን ክትዳለወሉን ይግባእ ኢላ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተበጽሐ ስምምዕ እስራኤል፣ ኢመራትን ባሕሬንን ዝተረኸበ ቐዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ነበር ቶኒ ብሌየር እቲ ውዕል "ፖለቲካ እቲ ዞባ ከም ብሓድሽ ንምቕራጽ ዓብዪ ዕድል'ዩ" ኢሉ።
ተቓውሞ ፍልስጤማውያን እንርድኦ ነገር'ዩ ዝለ ቶኒ ብሌየር "ግን ድማ ህዝቢ ፍልስጤም፡ ትኽክለኛ ባህሊ ፍልስጤም ንምግሃድ ስትራቴጂካዊ ለውጢ ከም ዘድሊ ክግንዘብ ኣለዎ" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዞባ ኣብ ሞንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዲፕሎማሲያዊ ውጥጥ ኣሎ። ኢመራትን ባሕሬንን ልፍንቲ ስዑዲ'የን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







