ምድረ-ዓረብ ብሒደት ሰሌዳታት- ኣዕራብ ንሃይማኖት ሕቘኦም’ዶ ይህብዎ ኣለዉ?

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዕራብ ከም ቀደም ሃይማኖተኛታት ኣይኰናን ይብሉ ከም ዘሎዉ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ዓሚቝን ሰፊሕን ድህሰሳ (survey) ተረጋጊጹ።
ሓደ-ሓደ ካብ'ቶም ዝተረኽቡ ዉጽኢታት: ማለት ብብርክት ዝበሉ ዛዕባታት፡ ኣዕራብ ከመይ ከም ዝስምዖም ክንፈልጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣ ከም መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ፍልሰት፡ ጸጥታ ዀነ ወሲባውነት ዝኣመሱ ዛዕባታት።
ምስ ልዕሊ 25,000 ዝብዝሖም ሰባት ቃለ-መሕትት ብምክያድ'ዩ እቲ ድህሰሳ ብናብያ ቢ.ቢ.ሲ. ዓረብኛን ምስ ባሮሜትር-ዓረብን (Arab Barometer research network) ብምትሕብባር እቲ መጽናዕቲ ተኻዪዱ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ 10 ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ግዝኣት ፍልስጢኤም ካብ 2018 - 2019 ኢዩ ተኻዪዱ።
እቶም ዝተረኽቡ ውጽኢታት ከኣ እንሄዉ ...

ካብ 2013 እቲ ቍጽሪ ናይ'ቶም ኣብ'ዚ ዞባ "ሃይማኖተኛታት ኣይኰናን" ዝብሉ ሰባት ካብ 8% ናብ 13% ክብ ኢሉ ይርከብ።
እቲ ወሰኽ ብዝያዳ ኣብ'ቶም ካብ 30 ዝትሕት ዕድሚኦም ኢዩ ተኸሲቱ - እቲ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ ካብኣታቶም 18% "ሃይማኖተኛታት ኣይኰናን" ይብሉ። ኣብ የመን ጥራይ'ዩ እቲ ውጽኢት ኣንጻር ከይዱ።

መብዝሕትኦም ነበርቲ ናይቲ ዞባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምራሕ ሃገር - ከም ፕረሲደንት ወይከኣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር - ንክዋስኣ ይድግፉ።
ኣብ ኣልጀርያ ግን እቲ ሓሳብ ደገፍ ኣይረኸበን - ካብ 50% ለጠቕ ይብል።
ኣብ ጕዳይ ናብራ ዉሽጢ-ገዛ ግን በቶም ንቤተ-ሰብ ዝትንክፉ ዉሳኔታት ኣብ ኢድ ደቂ ተባዕትዮ ክተርፍ ኣሎዎ ዝበሉ ይበዝሑ - ዋላ ደቂ ኣንስትዮ ባዕላተን ዝሰማማዓሉ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣብ ሞሮኮ ጥራይ ዝተፈልየ ዉጽኢት ኣርእዩ።

ኣብ'ቲ ዞባ ተቐባልነት ግብረሰዶም ርክባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ'ምበር ኣብ ኵሉ ለጠቕ ዝበለ'ዩ። ኣብ ሊብናን ዋላ'ኳ ማሕበራዊ ናብርኦም ሊበራል ይዅን ተቐባልነቱ ዝወሓደ'ዩ - 6% ጥራይ።
"ንያታዊ ቅትለት" (honour killing) ክበሃል ከሎ ሓደ ዘመድ ንሓደ ኣባል ቤተ-ሰብ (መብዝሕትኡ ጊዜ ጓል ኣንስተይቲ) 'ስም ቤተ-ሰብና ኣብ ዉርደት ኣእቲኻዮ/ኣቲኽዮ' ብማለት ቅትለት ምስ ዝፍጸም'ዩ።


ኣብ ኵለን ሃገራት በቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ ዘንበሮ ፖሊሲታት መሰረት ብምግባር ዝተሓተ ቦታ ሂቦምዎ። ብመንጽሩ ልዕሊ ፍርቂ ናይ'ተን ሸውዓተ ሃገራት (ካብ'ተን ዓሰርተ-ሓደ) ንናይ ረቸፕ ጣይብ አርዶጋን ፖሊሲታት ይመርጻ።
ሊብናን፡ ሊብያ፡ ከምኡ'ውን ግብጺ ንናይ ቭላድሚር ፑቲን ፖሊሲታት ከም ዝመርጻ (ካብ ናይ አርዶጋን) ሓቢረን።


እቲ ድህሰሳ ሚእቲ ብሚእቲ ተኻይዱ ምባል የሸግር፣ ምኽንያቱ ቅ`ጽሪ ናይ'ቶም 'ኣይፈልጥን' ወይከኣ 'መልሲ የብለይን' ዝበሉ ኣብ ግምት ስለዘይኣተወ።
ጸጥታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እቲ ዝዓበየ ዘስግአን ጕዳይ'ዩ። እተን ሃገራት ምንጪ ናይ ምርግጋእ ምስኣንን ሃገራዊ ጸጥታ ምቍጽጻር ዘይምኽኣላን ክጠቕሳ ከለዋ እስራል ቀዳመይቲ፡ ሕ.መ.ኣ. ካልአይቲ፡ ኢራን ሳልሰይቲ ኰይነን ተረኺበን።

እቲ ድህሰሳ ሚእቲ ብሚእቲ ተኻይዱ ምባል የሸግር፣ ምኽንያቱ ቅ`ጽሪ ናይ'ቶም 'ኣይፈልጥን' ወይከኣ 'መልሲ የብለይን' ዝበሉ ኣብ ግምት ስለዘይኣተወ

ስነ-ኣገባብ ናይ'ዚ መጽናዕቲ
እዚ መጽናዕቲ ብ"ባሮሜትር-ዓረብ" (Arab Barometer) ኢዩ ተኻዪዱ። እቲ ፕሮጀክት ን 25,407 ሰባት ገጽ-ንገጽ ብምውካስ'ዩ ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓሰርተ ሃገራትን ግዝኣተ-ፍልስጥኤም ኣካዪዱ። "ባሮሜትር-ዓረብ" ኣብ ፕሪንስተን ዩኒቨርሲቲ ዝመደበሩ ናይ ምርምር መርበብ'ዩ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ጥራይ ተኻዪዱ - እስራኤልን ኢራንን ኣብ'ቲ ድህሰሳ እትዋት ኣይኰናን።
ገሊአን ሃገራት ዓረብ (ሃገራት ወሽመጥ) ኣብቲ ድህሰሳ ክሳተፋ ኣይመረጻን፣ ናይ ኩዌት ድህሰሳ ግን ደንጕዩ ስለ ዝመጸ ኣብ ግምት ከይኣተወ ተሪፉ። ሶርያ፡ ብምኽንያት ኣብቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ቅልውላው፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ኣይኣተወትን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







