ዝተመሓየሸ ሕጊ መጕዚነት ስዑዲ ዓረብ፡ ንደቀንስትዮ እንታይ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ደጊም ደቀንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ብዘይ ፍቃድ ወዲ ተባዕታይ መጕዚ፡ ክጓዓዛ ክጅምራ ኢየን።
እቲ ኣብ ሕጊ እታ ሃገር ተገይሩ ዘሎ ለውጢ፡ ንደቀንስትዮ እንታይ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ?
ንጉስ ሳልማን ኣብ ሲቪላዊ ሕጊ እታ ሃገር ብዝገበሮ ምምሕያሽ መሰረት፡ ልዕሊ 21 ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ፓስፖርት ክወሃባን ብዘይፍቃድ ናይ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ መቕርባን፡ ካብታ ሃገር ክትወጽእን ከኽእላ ኢዩ።
እቲ ሕጊ ብተወሳኺ፡ ደቀንስትዮ ንፈለማ ግዜ ሓድሽ ውላደን ከመዝግባን ናይ መርዓን ፍትሕን ሰነድ ክወሃበንን ምስኡ ዝተኣሳሰር ናይ ስድራቤት ሰነዳት ውን ክወሃበንን መሰል ሂብወን ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሓ ደቀንስትዮ ንኽንቀሳቐሳ ናይ ሰብኣየን፡ ኣቦአን ወይ ውን ናይ ውላደን ፍቓድ የድልየን ነይሩ።
ዝኾነት ግህሰት ዝገጠማ ጓልኣንስተይቲ ካብ ዓዳ ክትወጽእ ምስ ትውስን፡ ወይ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ክትወጽእ ኢያ ትግደድ፡ ወይ ፍቓድ ናይ ወዲ ተባዕታይ መጕዚ ክትረክብ ነይርዋ።
ኣብ ስርዓት መጕዚትነት ስዑዲ ዓረብ፡ ደቀንስትዮ ውሳኔ ንኽወስዳ ጽቡቕ ፍቓድ ናይ መጕዚ ወዲ ተባዕታይ የድልየን።
በዚ መሰረት ጓልኣንስተይቲ ኩሉ ግዜ ኣቦኣ፡ ሰብኣያ፡ ዘመዳ፡ ገለ ግዜ ውን ውላዳ መጕዚ ግድን ክህልዋ ኣለዎ።
እቲ መጕዚ ድማ ኣብ ወሳኒ ናይ ህይወታ ጉዳያት ውሳነ የሕልፍ። ንኣብነት፡ ንመን ትምርዖ፡ ኣበይ ትመሃር . . . ወዘተ።
ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት እዛ ሃገር ኩሉ ግዜ ምስ ተነቕፈት ኢያ።
ደቀንስትዮ መኪና ክመርሓ ኣፍቂዳ እያ፡ ግን ካልእ ብዙሕ ዘንቅፋ ኣለዋ።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል እታ ሃገር ኣብ ቱርኪ፡ ዝተፈጸመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኮሸጊ፡ ሓያል ኣህጉራዊ ቁጠዐ ከም ዝፈጠረ ይዝከር።
ኣብ ግንቦት 2018 ቅድሚ ምምራሕ መኪና ምፍቃዱ፡ ነዚ መሰል ዝቃለሳ ዝነበራ ብዙሓት ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮ ተኣሲረን ኢየን። ገለ ካብአን፡ እቲ መሰል ምስ ተረጋገጸ ክፍትሓ ከለዋ፡ ገለ ግና ገና ኣብ ቀይዲ ኣለዋ።
ብዙሓት ደቀንስትዮ እታ ሃገር ምስ ምግሃስ መሰል ብዝተኣሳሰር ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝሐተኦ ዘለዋ ዑቕባ ንሪያድ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ኢዩ።
ዋላ እኳ ገለ ምምሕያሽ እንተገበረት፡ እዛ ሃገር ብማዕረነት ጾታ ካብ ዓለም ምስተን ዝኸፍኣ ዓሰርተ ኢያ ትምደብ።
እቲ ዋና ሕቶ እንበኣር፡ እዚ ምምሕያሽ ብተግባር እንታይ ለውጢ ከምጽእ ኢዩ ዝብል'ዩ።
ዋላ እኳ እዚ ውሳኔ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጽንበል እንተሎ፡ ደቀንስትዮ ውን ባልጀአን ጠርኒፈን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክጎያ እንተተራእያ፡ እታ ሃገር ግን ገና ኣብ ኮማዊ ምሕደራ ስለ ዘላ፡ እዚ ኣፍኣዊ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ።
ደቀኣንስትዮ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጻን፡ ካብ ኣባይተን ከይተረፈ ንኽወጻ፡ ገና ናይ ደቂተባዕትዮ ሰናይ ፍቓድ ከድልየን ኢዩ።
ደቀንስትዮ ንኽምርዓዋ ወይስ ንበይነን ንኽነብራ ናይ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ይጽበያ።
እዚ ሓድሽ ምምሕያሽ ሕጊ ድሕሪ ምትእትታዉ፡ ደቀንስትዮ መርዓአን ካብ ፍቃድ ደቂተባዕትዮ ወጻኢ ባዕለን ዝውስናሉ ዕድል ክወሃበን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓድሽ ጎስጓስ ጀሚረን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







