ሱዕዲ ዓረብ፡ ሓንቲ ናይጀርያዊት ብሞት ተቐጺዓ

ባንዴራ ሱዕዲ ኣረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፡ ንሓንቲ ዘደንዝዝ ዕጸ-ፋርስ ኣሰጋጊርኪ ተባሂላ ንሞት ዝተፈርደት ናይጀርያዊት ናይ ሞት ስጉምቲ ከም ዝወሰደትላ፡ ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ንመግስታዊ ማዕከናት ዜና ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እታ ናይጀርያዊት ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ገበናት ዝፈጸሙ ተባሂሎም ዝተፈርዱ ከም ዝተቐትለት'ውን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ናይ ምስልምና ቅድስቲ ከተማ መካ ዝተወስደ ናይ ሞት ስጉምቲ፡ ክልተ ፓኪስታናውያን ደቂ ታባዕትዮን ሓደ የመናዊን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተቐቲሎም።

መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብሴፍ ርእሶም ብምቑራጽ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ብዙሕ ነቐፌታ ክወሃቦ ዝጸንሐ'ዩ።

ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ን53 ሰባት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከም ዝፈጸመት ኤ ኤፍ ፒ ይሕብር።

እታ ሃገር፡ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ደው ከተብል ካብ ተጣበቕቲ ጉጅለታት ክግበረላ ዝጸንሐ ጸቕጢ ብቐጻሊ ክትነጽጎ ምንጽንሓ ይፍለጥ።

ናይ ሞት ስጉምቲ ገበናት ኣብ ምግታእ ዓቢ ተራ ኣለዎ ክብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ክከራኸሩ ጸኒሐም'ዮም።