ሩስያ ሓደ ሕምሺት ግዝኣት ዩክረይን ከምእተቆጻጸረት ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሓይልታት ሩስያ ካብ ግዝኣት ሃገሩ ነቲ 20% ተቖጻጺሮም ከምዘለው ገሊጹ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩከረይን ዝፈጸመቶ ወራር ናብ መበል 100 መዓልቱ ተቓሪቡ ኣሎ።
እቲ ፕረዚደንት ንኣባላት ባይቶ ላክሰምበርግ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ግንባር ንልዕሊ 1000 ኪሜ ከምዝዝርጋሕ ተዛሪቡ።
ንሱ ብቪድዮ ብቐጥታ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ “ኩሎም ንግጥም ድልዋት ዝኾኑ ኣሃዱታት ሩስያ ኣብቲ ወራር ይሳተፉ ኣለው” ኢሉ።
ሓይልታት ሩስያ ነታ ኣብ ምብራቓዎ ዞባ ዶንባስ እትርከብ ከተማ ሰቨሮዶነስክ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ መጥቃዕትታት ኣሐዪሎም ኣለው።
እቶም ሓይልታት ንዝበዝሕ ክፋል እታ ከተማ ተቖጻጺሮም ከምዘለው ሰብ መዚ ምክልኻል ብሪጣንያ ሓቢሮም።
ሩስያ ነታ ከተማ ንምቁጽጻር “ብኹሉ ሸነኻት” ፈተነ ተካይድ ከም ዘላ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ሰርሂ ሃይዳይ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ ወተሃደራት ዩክረይን ጸረ መጥቃዕቲ ብምክያድ “ኣብ ገለ ጎደናታት ንጸላኢ ብምድፋእ ብዙሓት ይማርኹ ኣለው” ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ፅዑቕ ውግእ ብዙሓት ክፈናቐሉ ምኽንያት ይከውን ከምዘሎ ብምሕባር ድማ ከምዚ ዝበለ ኩነታት "ኣዝዩ ሓደገኛ" ምዃኑ ገሊፁ።
ሓሙስ ምሸት ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ዶንባስ ዘሎ ኩነታት ብዘይ ለውጢ ከምዘይተረኣዮ ድሕሪ ምባል ኣብቲ ናይ ሴቨሮዶነስክ ውግእ ግን ዩግሬናውያን "ውሱን ዓወት" ከምዝረኸቡ ጠቒሱ።
ኣብታ ከተማ ኣስታት 15,000 ሰላማውያን ሰባት ዝተቐርቀሩ ኮይኖም መብዛሕቲኦም ከኣ ኣዞት ኣብ ዝተብሃለ ዓብዪ ፋብሪካ ካሜካል ኣዕቚቦም ይርከቡ።
ወተሃደራት ሩስያ ብረቡዕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣብ ዘካይዱሉ እዋን ነቲ ቦታ ዒላም ምግባሮም "ዕብዳን" ክብል ዘለንስኪ ንሩስያ ነቒፉ ነይሩ።
ብኻልእ ገጽ፡ሩስያ ምስቲ ኣብ ዝተቖፃፀረታ ከተማ ማሪዩፑል ዘጣየሸቶ ምምሕዳር ኣይንተሓባበርን ንዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትቐትል ምህላዋ ከንቲባ ናይታ ከተማ ይኽስስ።
ቫዲም ቦይቼንኮ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ሩስያ ቅድሚ ምውዳቓ ዝወፅአ ኮይኑ፡ ብዙሓት ነበርቲ 'ኦሌኒቭካ' ኣብ ዝተብሃለ ቤት ማሕዩር ይእሰሩ ከምዘለዉን በቶም ዝተቖፃፀርዋ ሓይልታት ብዙሓት ነበርቲ ስቅያት ይበጽሖም ከምዘሎን ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ይዛረብ።
ቢቢሲ ነዚ ክሲ ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከፃርዮ ኣይከኣለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣማኻሪ እቲ ከንቲባ፡ ሩስያ ነታ ከተማ ኣብ ከበባ ብምእታው ክትድብድባ ከላ ብውሕድ 22,000 ሰባት ምዝተቐተሉ'ዩ ሓቢሩ።
ማዕቐባት ምዕራባውያን
መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣንፃር ደገፍቲን መሻርኽትን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ዘንብርዎ ማዕቐባት ኣበርቲዖም ቀጺሎምሉ ኣለዉ።
ክፍሊ ገንዘብ ኣሜሪካ ምስ ፑቲን ርክብ ኣለዎም ንዝብሃሉ ሰብዋና ነኣሽቱ ናይ መቀዳደሚ ጀላቡን ሓደ ተፃዋቲ ሴሎ ዝብሃል ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ዝርከብዎም ሰባት ዒላማ ዝገበረ ሓድሽ ረቂቕ ማዕቐባት ትማሊ ሓሙስ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት ምስ ፑቲንን ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫን ቅርበት ዘለዎም ሓሙሽተ ኣዝዮም ሃብታማት ሰባት ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ሃብቶም ከይንቀሳቐስን ምስ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ትካላት ብምትሕብባር ከይሰርሑን ተገዲቦም ኣለዉ።
ኣውሮጳውያን ብወገኖም ኣንፃር ሩስያ በዓል ሽድሽተ ጥምሮ ማዕቐባት ኣብ ምድላው ይርከቡ። ካልኦት ዝተፈላለዩ ማዕቐባት እውን ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታት፣ ትካላትን ሰብሃብትን እታ ሃገር ይድንገጉ ኣለዉ።
ኣመሪካ ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት መወንጨፊ ሮኬታት ብሓገዝ ክትህባ ምዃና ፕረዚደንት ባይደን ብሮብዕ ወግዓዊ ከምዝገበረ ይዝከር።
ወሃቢ ቓል መንግስቲ ሩስያ ዲመትሪ ፔስኮቭ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ኮነ ኢለን ዝተናውሐ ኲናት ንኽህሉ "ኣብ ልዕሊ ሓዊ ነዳዲ ይውስኻ ኣለዋ" ክብል ከሲሱ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







