ሩስያዊ ፖለቲከኛ ኲናት ብምኹናኑ ናይ 7 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, KIRILL KUDRYAVTSEV/AFP
ሓደ ኣባል ባይቶ ሞስኮ፡ ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ብምዝራቡ ንሸውዓተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ሓድሽ፡ ንዝዀነ ተቓውሞ ዐላማ ዝገበረ፡ ኣዋጅ፡ ናይ መጀመርታ ምሉእ ማእሰርቲ እዩ ተባሂሉ።
ወዲ 60 ዓመት ኣሌክሲ ጎሪኖቭ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣኼባ ምምሕዳር ከተማ፡ ነቲ ወራር ክነቕፍ ድሕሪ ምስምዑ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ዝኾነ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ሓይሊ "ናይ ሓሶት ዜና" ዝዝርግሕ ሰብ ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮ።
ሩስያውያን ነቲ ወራር ንምግላጽ ‘ኲናት’ ዝብል ቃል ከይጥቀሙ ድማ ተኣጊዶም ኣለዉ።
ፕረዚደንትቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ክንድኡ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ዝብል ሓረግ ምሂዝሉ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ንሱ ንባዕሉ ብሓሙስ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኲናት ኣብ ዶንባስ" እናበለ እንትዛረብ ተስተውዒሉ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ፓቨል ቺኮቭ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጎሪኖቭ ዝተበየነ ፍርዲ፡ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ናይ መጀመርታ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ'ዩ ኢሉ። ክሳብ ሕጂ ዳያኑ መቕጻዕቲ ወይ ድማ እገዳ ጥራይ እዮምከንብሩ ጸኒሖም።
ዳኛ ኦሌስያ መንደለየቫ፡ ነቲ ገበን "ብፖለቲካዊ ጽልኢ" ተመርኲሱ ከምዝፈጸሞን፡ ንሩስያውያን ከምዘጋገዮምን ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ "ጭንቀትን ፍርሕን ክስምዖም" ደሪኽዎም -ይብል።
ጎሪኖቭ፡ ኣብ ሰሜናዊ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ "እዚ ኲናት ሕዚ’ውን የድልኩም ኣሎ?" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ንእሽቶ ቅንጣብ ወረቐት ሓፍ ኣቢሉ ሒዙ ተራእዩ። ካልእ ሰራሕተኛ ጸጥታ ድማ፡ እቲ ጽሑፍ ከይንበብ ኢድ ኢቲ ክሱስ ትሕት ከብል ይፍትን።
ጎሪኖቭ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ፡ መደረ ድሕሪ ምግባሩ እዩ ንብዙሓት ሰሙናት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝጸንሐ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ጎሪኖቭ፡ ኣብ ዩክሬን ህጻናት ኣብ ዝሞቱሉ እዋን ውድድር ስእሊ ህጻናት ክካየድ ዝብል ሓሳብ ተቓዊሙ።
ነቶም ግዳያት ንምዝካር’ውን ንሓጺር እዋን ናይ ሕሊና ጸሎት ብምግባር፡ እቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክጅመር ፈቲኑ ነይሩ።
ካልእ፡ ነዚ ዘረባኡ ዝደገፈ ኣባል ባይቶ ተቓዋሚ፡ ካብ ሩስያ ሃዲሙ ጠፊኡ'ሎ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ክልቲኦም ኮነ ኢሎም ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ንምጽላም ውዲት ከምዝፈጸሙ እዮም ዝገልፁ።
ብዓርቢ ኣብ’ቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ ደለይቲ ፍትሕን ሪፖርተራትን ከምዝበልዎ፡ ጎሪኖቭ፡ ሩስያ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብኲናት ሰንሰን ከምዝበለት ንዳያኑ ሓቢሩ። ገለ ካብቶም፡ ሕዚ ሓይልታት ሩስያ ገበናት ኲናት ፈጺሞምሎም ተባሂሎም ዝኽሰሱሎም ቦታታት ድማ ኣስማቶም ዘርዚሩ።
ዓርኩን ኣባል ተቓዋሞን ኢልያ ያሺን፡ ነቲ ፍርዲ "ዘስንብድ" ክብል ኣብ ትዊተርጽሒፉ።
ያሺን፡ ንባዕሉ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንማእሰርቲ ብምቅዋሙ ን15 መዓልታት ተኣሲሩ ነይሩ።
ሩስያዊት ተንታኒት ፖለቲካ ታትያና ስታኖቫ ብወገናያ፡ እቶም ሰብመዚ ን"ተቓወምቲ" መጠንቀቕታ የመሓላልፉ ከምዘለዉ ንጹር ምዃኑ ገሊጻ።
‘ኲናት’ ዝብል ቃል ምጥቃም ብዓይኒ ሰበስልጣን ‘ውዲት’ ተገይሩ እዩ ዝቑጸር፤ ምስ ከም ናይ ጎሪኖቭ ዝኣመሰለ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ክውሃሃድ ከሎ ግን ዳርጋ ከም ‘ግብረሽበራ’ ተራእዩ ነዊሕ ማእሰርቲ ክረክብ ገይርዎ -ትብል።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ሴንት ፒተርስበርግ ክወጽእ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ካብ ነፋሪት ዝተኣልየ ፍሉጥ ተቓላሲ-ንዲሞክራሲ ኣንድሬይ ፒቮቫሮቭ እውን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ሩስያ ነዊሕ ማእሰርቲ ክፍረደሉ ይሕትሉ ኣለዉ።
ጠበቓኡ፡ ‘ኦፐን ሩስያ’ ዝበሃል ዘይተፈትወ ትካል መሪሑ ተባሂሉ ከምዝተኸሰሰ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







