ሰሜን ኮርያ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ከምዝኾነ ዝተጠርጠረ ሚሳይል ተኲሳ

በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ከምዝኾነ ዝተጠርጠረ ሚሳይል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰሜን ኮርያ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ተኲሳ፤ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ እቲ ሚሳይል ኣብ መፋርቕ በረራ ከምዝፈሸለ ገሊጾም።

እዚ ኣብዚ ዓመት ንሻብዓይ ግዘ ሰሜን ኮርያ ዘወንጨፈቶ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ((Intercontinental Ballistic Missile) ኰይኑ፡ ኣብ ጃፓን ስክፍታ ኣስዒቡ’ሎ።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝተሓሰበሉ ቦታ ከይበጽሐ እዩ ኣብ ባሕሪ ዓሊቡ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ፈተነ ኒዩኵለር ክተካይድ እያ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝሓየለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ክልቲአን ኮርያታት፡ኣብ ጥቓ ማያት ነንሕድሕደን ሚሳይላት ተኲሰን እየን። ሰሜን ኮርያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዘወንጨፈቶም ሚሳይላት እቲ ዝበዝሐ ነይሩ።

ሰሜን ኮርያ ብተደጋጋሚ ሚሳይል ተወንጭፍ ዘላ፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ክሳብ ሕጂ እቲ ዝዓበየ ሓባራዊ ልምምድ ኣየር ኣብ ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን'ዩ።

ሰሜን ኮርያ ነዚ ልምምድ፡ "ተጻባኢን ተኹታዂን" ክትብል ኣትሪራ ነቒፋቶ እያ።

ትማሊ ሓሙስ ሰሜን ኮርያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ከም ዝተኰሰት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ደቡብ ኮርያ ይሕብሩ።

እቲ ዝተተኰሰ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ከምዝኾነ ሓደ ምንጪ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ንኣስታት 760 ኪሎ ሜትር ዝተወንጨፈ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣስታት 1,920 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ብራኸ በጺሑ እዩ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ሚሳይል "ብፍሽለት ከምዝተዛዘመ እዩ ዝግመት" ክብል፡ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰሜን ኮርያ ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወንጨፍቲ ሚሳይላት እውን ተኲሳ እያ።

እዚ ድማ፡ መንግስቲ ጃፓን ትማሊ ሓሙስ ንጉሆ ኣብ ገለ ሰሜናዊ ዞባታታ ንዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክጸንሑ ዝሕብር ሳሕቲ ዝረአ ህጹጽ መጠንቀቕታ ክህብ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ጃፓን፡ ፈለማ እቲ ሚሳይል ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከምዝነፈረ እኳ እንተገለጸት፡ ሚኒስተር ምክልኻል ያሱካዙ ሃማዳ ግና ድሒሩ "ንደሴታት ጃፓን ከምዘይሰገረን፡ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ጃፓን ከምዝጠፍአን" ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፉሚዮ ኪሺዳ ድሒሩ፡ ሰሜን ኮርያ "ብተደጋጋሚ ዘወንጨፈቶም ሚሳይላት" ብምኹናን፡ " ዘቘጥዕ" ተግባር ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣሜሪካ፡ መደብ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ዘስዕቦ ሓደጋ ዘመላኽት ምዃኑ ገሊጻ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ "ንምክልኻል ሪፓብሊክ ኮርያን ጃፓንን ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን ኣዝዩ ጽኑዕ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ" ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኮርያ ቾ ሂዩን-ዶንግ፡ ትማሊ ሓሙስ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዌንዲ ሸርማንን ብቴሌፎን ዝተዘራረቡ ክኸውን ከሎ፡ ተግባር ሰሜን ኮርያ "ዘሕዝን፡ ዘይ ስነ-ምግባራዊ" ምዃኑ ከም ዝገለጹ ደቡብ ኮርያ ሓቢራ።

ድሕሪ ምውንጫፍ እቲ በይነ-ክፍለ-ዓለማዊ ሚሳይል፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን፡ ነቲ መደቡ ክሳብ ሎሚ ዓርቢ ዝነበረ ሓባራዊ ልምምድ ኣየር ከናውሓ ከም ዝተሰማምዓ ሓይሊ ኣየር ደቡብ ኮርያ ገሊጹ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሰሜን ኮርያ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ጃፓን ተወንጫፊ ሚሳይል ምትኳሳ ስዒቡ እዩ።

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኣየ ዝዛይድ ቁጽሪ ዘለዎ ፈተነ ሚሳይላት ኣካይዳ’ያ።

ዋላ እኳ ፈተነ ከይተካይድ ዘዕንቅፉ እገዳታት እንተሃለዉ፡ ሰሜን ኮርያ ግና ካብ 2006 ክሳብ 2017 ንሽዱሽተ ፈተነታት ኒዩኵለር ከምዘካየደትን፡ ንሻብዓይ ግዘ ድማ ክትገብር መደብ ከምዘለዋን ይግመት።

ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብታ ስግኣት ንምፍጣርን ምናልባት’ውን ንኣሜሪካ ክትወቅዕ ተኽእሎ ንክህልዋን፡ ወተሃደራዊ ዓቕማ ምምዕባል ቀጺላ’ላ።

ካብቶም ኣብ ረቡዕ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት እቲ ሓደ፡ ካብቲ ሰሜናዊ ደረት መስመር (NLL) ዝበሃል ንክልቲአን ኮርያታት ዘካትዕ ዶብ ባሕሪ ሰጊሩ እዩ።

እዚ ሚሳይል ካብ ግዝኣታዊ ማያት ደቡብ ኮርያ ወጻኢ’ኳ እንተዓለበ፡ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተወንጨፉ ግና፡ እቲ ናብ ዶብ ዝቐረበ ነይሩ።

ደቡብ ኮርያ ብወገና፡ ነፈርቲ ውግእ ብምልኣኽ ካብ ኣየር ናብ መሬት ሰለስተ ሚሳይላት ብምትኳስ ምላሽ ሂባ።

እዚ’ውን ካብቲ ኣካታዒ ሰሜናዊ ደረት መስመር ሰጊሩ እዩ። ትማሊ ረቡዕ ብድምር 23 ሚሳይላት ተኲሳ’ያ።

እዞም ሚሳይላት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ከም ዝተወንጨፉ፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ዮንሰይ መጽናዕቲ ሰሜን ኮርያ ዕዱም ምሁር ዝኾነ ኪም ጆንግ-ዳይ ይገልጽ።

"ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን መወንጨፊ እቶም [ሚሳይላት] እንተፈሊጠን ብልክዕ ክሃርምኦ ከምዝኽእላ ይኣምና።

ሰሜን ኮርያ ግና ኣብ መላእ እታ ሃገር መወንጨፍታት ኣለዋ፤ ብተወሳኺ ድማ ብዙሕ ሸነኻዊ፡ ስርዓታውን ብሓንሳብን ሚሳይላት ምውንጫፍ ከም ትኽእል ተፈራርሕ’ያ ዘላ። እዚ ንመጀመርታ ግዘ ዝረኣኹዎ ኩነታት እዩ" ክብል፡ ዋይቲኤን ንዝተበሃለ ማዕከን ዜና እቲ ከባቢ ተዛሪቡ።

ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተቀላጠፈ ንጥፈታት ምስ ተራእየ፡ "ናይዚ መዛዘሚ፡ ኒዩኵለራዊ ዓቕሞምን ቆራጽነቶምን ንምርግጋጽ፡ ሻብዓይ ፈተነ ኒዩኵለር ምክያድ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ" ክብል፡ ኣብ ዉመን ዩኒቨርሲቲ ኤውሃ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ፓርክ ወን-ጎን ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ድርድር ኮፍ ንክትብል ጭቡጥ ደረጃ ኒዩኵለራዊ መንግስቲ ክትኰን ስለ እትደሊ፡ ኒዩኵለራ ክተወግድ እያ ኢልካ ምጽባይ፡ ክውንነታዊ ኣይኰነን" ይብል፡ ፕሮፌሰር ፓርክ ወን-ጎን።