ከተጠንቅቕ ዝጸንሐት ሰሜን ኮርያ፡ ንደቡብ ሚሳይል ተኲሳ

ዝተተኮሰ ሚሳይል ብቴሌቪዥን ዝርእዩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, YONHAP/REUTERS

ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኣንፈት ሚሳይል ወንጪፋ። እዚ ድማ ድሕሪ ምፍልላይ ክልቲኤን ሰሜን ኮርያታት ንፈለማ እዋን ዶብ ባሕሪ ዝሰገረ ሚሳይል ኰይኑ’ሎ።

እቲ ናይ ሓጺር ርሕቀት ባሊስቲክ ሚሳይል ካብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ሶክቾ ኣስታት 60 ኪ.ሜ ርሒቝ ዝዓለበ ኰይኑ፡ ኣብ ደሴት ኡሌንግዶ መጠንቀቕታ መጥቃዕቲ-ኣየር ኣበጊሱ።

ደቡብ ኮርያ ንትንኮያ ሰሜን ኮርያ ምላሽ ንምሃብ ሰለስተ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት’ውን ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-የዮል፡ ነቲ ብጐረቤታ ዝተፈጸመ ምውንጫፍ ሚሳይል፡ "ሳዕቤናዊ ግዝኣታዊ ወራር" ክብል ገሊጽዎ።

ሰሜን ኮርያ ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ጥራይ ብውሕዱ 10 ሚሳይላት ናብ "ምብራቕን ምዕራብን" ከምዝተኮሰት ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ይኸስስ።

እቲ ሰራዊት፡ ንመውቃዕቲ ሰሜን ኮርያ ምላሽ ንምሃብ ጸኒሑ ሰለስተ ካብ ኣየር ናብ መሬት ዝድርበዩ ሚሳይላት ብሰሜን ገጽ ናብ ዘሎ ዶብ ባሕሪ ከም ዝተተኮሰ ገሊጹ።

ደቡብ ኮርያ ቅድም ክብል፡ ወተሃደራዊ ሓይላ "ነዚ ዓይነት ትንኮያ ሰሜን ኮርያ ክጻወሮ ኣይክእልን፤ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምትሕብባር ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ኰይኑ ድማ ብጥብቂን ሓያልን ግብረ-መልሲ ከምዝህብን" ክትብል ኣጠንቂቓ ከምዝነበረት ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ዩን ሱክ-የዮል ነቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ "ቅልጡፍ ምላሽ" ክወሃቦ ኣዚዙ ከምዝነበረ’ውን ወሲኾም ገሊጾም።

መራሕቲ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ንናይ ሰሜን ኮርያ ዳሕረዋይ ተዅሲ ብዝምልከት ንምዝርራብ ኣኼባታት ሃገራዊ ድሕነት ጸዊዖም ኣለዉ።

ክልቲአን ሃገራት ነቲ ንሰሜናዊ መስመር ደረት - እቲ ከም ቅቡል ዝውሰድ ዶብ ባሕሪ - ዝጠሓሰ ሓዊሱ ንዅሎም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ሎሚ ረቡዕ ቅድሚ ሰዓት 09፡00 (00፡00 GMT) መዝጊበን’የን።

እቲ ሓደ ሚሳይል ካብ መስመር ምሕንጻጽ ዶብ ንደቡብ 26 ኪ.ሜ፡ ካብ ደቡብ ኮርያዊት ከተማ ሶክቾ ንምብራቕ 57 ኪ.ሜ፣ ካብ ደሴት ኡሌንግዶ ድማ ንሰሜን-ምዕራብ 167 ኪ.ሜ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ማያት’ዩ ዓሊቡ።

ዳይረክተር ስርሒታት ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ካንግ ሺን-ቹል፡ እዚ "ኣዝዩ ዘይተለምደን ዘይቅቡልን" ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ምኽንያቱ ድማ እታ ሓውሲ ደሴት ሃገር ናብ ክልተ ካብ እትምቀል ንደሓር፡ "ንመጀመርታ ግዜ ናብ ደቡብ መስመር ደረት ሰሜናዊ ማያዊ ግዝኣት" ስለዝወደቐት ከምዝዀነ ኣረዲኡ።

እቶም ሚሳይላት፡ መንግስቲ ሰሜን ኮርያን እቲ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ዝገብራኦ ዘለዋ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ደው ከብላ መጠንቀቕታ ካብ ዝህብ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝተተኮሱ እዮም።

እተን መሓዙት ሃገራት ልምምዳተን ደው እንተዘየቢለን፡ "ከቢድ" ስጕምትታት ከም እትወስድ ሰሜን ኮርያ ብሰሉስ ኣጠንቂቓ ነይራ።