‘ዩፎ’ - ዘይፍለጡ በረርቲ ፍጥረታት፡ ኣብ ኣኼባ ናሳ ዝተቓልዑ 5 ሓቂታት

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተኣከበ ኣስታት 800 ምስጢራዊ ጸብጻባት መንነቶም ዘይተፈልጠ ዝነፍሩ ነገራት መርሚሮም።
እንተኾነ፡ ካብኣቶም እቶም ዝተወሰኑ ክፋል ጥራይ እዮም ብንጹር ክፍለጡ ዘይከኣሉ ይብል ሓደ ፓነል ተመራመርቲ።
ናሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ኣብቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዘይንቡር ተርእዮታት [unidentified anomalous phenomena (UAP)] ብዝምልከት ብዛዕባ ዝካየድ ስራሕ መብርሂ ንምሃብ ነቲ ፓነል ኣቝሙ።
‘ዩኤፒ’ "ብመንፅር ሳይንሳዊ ኣረኣእያ፡ ከም ነፈርቲ ወይ እንታይነቶም ዝፍለጡ ተፈጥሮኣዊ ክስተት ክግለፁ ዘይክእሉ" ተርእዮታት ተባሂሎም እዮም ዝምደቡ።
እቲ ፓነል፡ ትማሊ ረቡዕ ፈላማይ ወግዓዊ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብኡ ወግዓዊ ካብ ዝዀኑ ነጥብታት ድማ ዝስዕቡ ይርከብዎም።
መብዛሕትኦም ተርእዮታት መግለፂ ክወሃበሎም ዝኽእሉ - ካልኦት ግን ምስጢር ኰይኖም ዝቐፀሉ
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ካብ 50 ክሳብ 100 ዝበጽሕ ሓደስቲ ጸብጻባት ይበጽሓና" ይብል ሾን ኪርክፓትሪክ - ዳይረክተር ናይቲ ኣካል ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ዝዀነን ኣኖማሊ ኦል-ዶመይን ሪሶሊሽን (AARO) ብዝብል ዝፍለጥን ቤት ጽሕፈት።
ቍጽሪ ናይቶም "ብሓቂ ዘይልሙድ ተርእዮታት ክዀኑ ይኽእሉ" ግን ካብ ጠቕላላ መረዳእታ ነቲ ካብ 2 ክሳብ 5 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሕዙ ይገልጽ።
ኣብ ሰማያት ምዕራባዊ ኣሜሪካ ብለይቲ ዝንቀሳቐሱ ተኸታተልቲ ነጥብታት ዘርእይ ብነፋሪት ሓይሊ ባሕሪ ዝተቐድሐ ቪድዮ ኣብቲ ዋዕላ ቀሪቡ ነይሩ። እታ ወተሃደራዊት ነፋሪት ግን ነቲ ነገር ክትዓግቶ ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዝንቀሳቐሱ ተኸታተልቲ ነጥብታት ዘመልክት ዝነበረ ትርኢት ናብ ሓደ ዓቢ መዓርፎ ነፈርቲ ገጻ እትኸይድ ዝነበረት ንግዳዊት ነፋሪት ኰይና ተረኺባ።
ካልኦት ኣብ ሰማያት ዝተረኣዩ ነገራት ግን ዝያዳ ምስጢራዊ ማለት እንታይነቶም ዘይተፈለጡ እዮም።
ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ኣዒንቲ ወተሃደራዊ ፓይለታት ካብ ዝኣተዉ 144 ተርእዮታት፡ ብዘይካ ሓደ ኵሎም ዘይተፈለጡን መብርሂ ዘይተወሃበሎምን ምዃኖም፡ ኣብ 2021 ዝወጸ ጸብጻብ ፔንታጎን የመልክት።
ሰበስልጣን’ውን እቶም ኣብ ሰማይ ዝተረኣዩ ነገራት ካብ ካልእ ዓለም ዝመፅኡ ፍጥረታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ንምግላጽ ኣይደፈሩን።
![መንነቶም ዘይተፈልጡ ዘይንቡር ተርእዮታት [unidentified anomalous phenomena (UAP)] ከምዘመልክት ዝዝረበሉ ስእሊ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/8e7c/live/559250a0-0050-11ee-aa08-4727df20b680.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, NEWCASTLE LIBRARY
ንመርመራታት ናሳ ዝድርት ጉዳይ ብሕትውና
ሾን ኪርክፓትሪክ፡ ስክፍታታት ብሕታዊነት (ምስጢራውነት) ንምርመራታት እቲ ትካል ከም ዝድርት የመልክት።
"እቲ ዝዓበየ መእከቢ መረዳእታ መሳርሒና ንዝደለናዮ ከባቢ መላእ ዓለም ክፍትሽ ክንገብሮ ንኽእል ኢና" ክብል እውን ኣብቲ ፓነል ተዛሪቡ።
ይዅን እምበር ብዙሓት ሃገራት ወይ መንግስታት ምስ ምስጢራውነት (ብሕትውና) ብዝተሓሓዝ ነዚ ከፍቅዳ ብዘይምኽኣለን ኣብቲ ዝካየድ መርመራታት ከም ሓደ ብድሆ ይጥቀስ።
"ካብቲ ዘለና [መሳርሒ] እቲ ዝበዝሐ ኣብ ዙርያ ኣሜሪካ'ዩ። ብዙሓት ሰባት...ምሉእ ኣንፈት መሳርሒና ናብ ድሕሪ ገዛኦም ክነዝሮ ከለና ኣይፈትዉን እዮም" ኢሉ።
ማይክሮዌቭን ብርሃናዊ ምድንጋርን
ምስ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዘይንቡር ተርእዮታት [unidentified anomalous phenomena (UAP)] ዝተኣሳሰር ዳታ መብዛሕትኡ ግዜ ንምትርጓሙ ኣጸጋሚ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ብቐሊሉ ናብ ዝደለኻዮ ክትትርጉሞ (ክተዝብሎ) ዝከኣል እዩ።
ኣቦ መንበር ጕጅለ ‘ዩኤፒ’ ናሳ ዴቪድ ስፐርገል፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ተመራመርቲ ዘልዓልዎ ምፍንጃር ማዕበል ራድዮ ይጠቅስ።
"ኣዝዩ ዝገርም ቅርጺ ነይርዎም። ሰባት እንታይ ይፍጠር ከምዘሎ ክፈልጡ ኣይከኣሉን። ድሕሪኡ ኣብ ከባቢ ሰዓት ምሳሕ መብዛሕትኦም ይጥርነፉ ከምዘለዉ ከስተብህሉ ጀመሩ" ይብል ዴቪድ።
ጸኒሑ ግን እቶም ተመራመርቲ ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ መሳርሒታት፡ ነቲ ምሳሖም ንምውዓይ ካብ ዝጥቀሙሉ ማይክሮዌቭ ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃናዊ ጨረራት ይእክቡ ከም ዝነበሩ ተረጋጊጹ።
ስኮት ኬሊ ዝተባህለ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ተመኵሮ ዘለዎ ጠፈርተኛን ፓይሎትን ነበር፡ ብዛዕባ ሓደ ብርሃናዊ ምድንጋር (ምትላል) ዝገልጽ ዛንታ ኣብቲ ፓነል ኣዘንትዩሎም።
ንሱን ተሓጋጋዚ ፓይለቱን ኣብ ጥቓ ገማግም ቨርጂንያ በረራ የካይዱ ነይሮም፤ ሽዑ ካብ ዝተረኣይዎ ነገር ብምብጋስ መሳርሕቱ፡ "ዩፎ ብጥቓኦም ከምዝሓለፈ ምእማኑ” ይዝከር።
"ኣነ ኣይረኣኹዎን። ክንርእዮ ስለዝደለና ናብ ድሕሪት ተመሊስና ከይድና። ካብኡ ግን ባሎን ኮይኑ ጸኒሑና” ክብል ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንመጽናዕቲ ዝዕንቅፍ ምግላልን ምግፋዕን
ፓይለታት ናይተን ንመጓዓዝያ ዘገልግላ ነፈርቲ ብዛዕባ ኣብ እዋን በረራ ዝርእይዎም ነገራት ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛታት ከምዘይኰኑ ዝገልጽ ስፐርገል፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ጉዳም'ቶም ቅርጺ ሸሓኒ/ብያቲ ዝሓዙ ነፈርቲ ኣካላት ዘሎ ጸለመ ከምዝኾነ የረድእ።
"ሓደ ካብ ዕላማታትና ነቲ ጸለመን ምግላልን ምእላይ'ዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ‘ዩኤፒ’ [መንነቶም ዘይተፈልጡ ዘይንቡር ተርእዮታት] ንዝቐርቡ ኣገደስቲ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ልዑል ጽሬት ዘለዎ መረዳእታ የድሊ" ኢሉ።
ከምኡ’ውን ገለ ሳይንቲስት ኣብቲ ጉዳይ ብዝሰርሕዎ መጽናዕቲ ብኦንላይን ከይተረፈ ምግፋዕ ኣጋጢምዎም እዩ።
"ምግፋዕ ከኣ ኣብ ዓውዲ መጽናዕቲ ‘ዩኤፒ’ ከቢድ ተነጽሎ እዩ ዘስዕብ። እዚ ድማ ነቲ ሳይንሳዊ መስርሕ ብዓቢኡ ይዕንቅፎን ካልኦት ተመራመርቲ ኣብዚ ኣገዳሲ ዛዕባ መጽናዕቲ ንኸየካይዱ ተስፋ የቝርጾምን" ትብል ሓላፊት ሳይንስ ናሳ ኒኮላ ፎክስ።
ሓድሽ ዘመነ ግልጽነት
እቲ ናይ ረቡዕ [01/06/2023] ኣኼባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት፡ ናሳ ዘተኣታትዎ ናይ ኣቀራርባ ለውጢ እዩ። እቲ ትካል መጽናዕቲ ህዋ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ክግለጽ ንዝጸንሐ ተርእዮታት ዩፎ ከነኣእስን ምስጢራዊ ክገብርን ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ፓነል ኣብ መወዳእታ ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ዝሰምዐ ኰይኑ፡ ካብቶም ሕቶታት እቲ ሓደ ድማ "ናሳ እንታይ እዩ ዝሓብእ ዘሎ?" ዝብል ነይሩ።
ዳን ኢቫንስ ካብ ናሳ፡ እቲ ትካል ካብ ሎሚ ንደሓር ስርሑ ብግልጽነት ንምፍጻም ቈሪጹ ከምዝተላዕለ ሓቢሩ።
"ነዚ ኢና ድማ ሎሚ ብቐጥታ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪብና ዘለና" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







