ስነጠፈር፡ ንተመራመርቲ ዘህረፈ ምልክታት ህይወት ኣብ ርሑቕ ኣድማስ

ኪነታዊ ምስሊ፡ K2-18 ኣብ ዙርያ ሓደ ደቂቕ ኮኾብ እናዞረት

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኪነታዊ ምስሊ፡ K2-18 ኣብ ዙርያ ሓደ ደቂቕ ኮኾብ እናዘረት

ትካል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ በታ ንጠፈር ከተቋምት ዝተሰርሐት 'ጀምስ ወብ' ዝተባህለት ምዕብልቲ ቴለስኮፕ ኣቢሉ ኣብ ሓንቲ ርሕቕቲ ፕላነት ገለ ምልክታት ህይወት ተዓዚቡ'ሎ።

እታ ቴለስኮፕ ኣብ ዘካየደቶ ዳህሳስ ኣድማስ፡ 'ዲሜቲል ሳልፋይድ (DMS) ዝተባህለ ሞለኲል ረኺባ ክትከውን ተስፋ ተነቢሩላ ኣሎ። ኣብዛ እንነብረላ ፕላነት ምድሪ እቲ ጋዛት ብስነህይወታውያን ጥራይ'ዩ ክፍጠር ዝኽእል።

ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ ኣብታ 120 ዓመታት ብርሃን ዝርሕቀታ ፕላነት ዝተረኽበ ጭብጥታት "እኹል ኣይኮነን" ይብሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብዛ K2-18b ዝብል መጸውዒ ተዋሂቡዋ ዘሎ ፕላነት ዝተረኽበ ጋዛት፡ ማያዊ ውቅያኖሳት ከምዘለዋ ዝእምት'ዩ።

ነቲ ምርምር ዝመርሐ ፕሮፌሰር ኒኩ ማድሁሱድሃን ካብ ብሪጣንያዊ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንውጽኢት ናይቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ምስተዓዘቡ፡ ብምልኦም ኣባላት ጕጅለኡ "ሰንቢዶም" ክብል ተዛሪቡ።

"ኣብ ምድሪ፡ ዲ-ኤም-ኤስ ብህይወታውያን ጥራይ'ዩ ክፍጠር ዝኽእል። ዝበዝሕ ካብቲ ኣብ ህዋ ዘሎ [ተመሳሳሊ ጋዛት] ካብ ኣከባቢ ባሕርታት ዝርከብ ፊቶፕላንክቶን ዝወጽእ'ዩ።"

ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ቢልዮን ኪሜ ርሒቓ ትርከብ ፕላነት

ፕሮፌሰር ማድሁሱድሃን ከምዝበሎ ግን፡ እቲ ዳህሳስ ኣፈናዊ ብምዃኑ፡ ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝርከብ ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣሚቱ'ሎ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እቲ ዝድለ ጭብጢ ክእከብ ድማ ትጽቢት ይግበር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"እንተ ተረጋጊጹ፡ ዓቢ ነገር'ዩ ክኸውን፡ ስለዚ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ንኽንህብ ድማ ብቅኑዕ ኣገባብ ክንገብሮ ከምዘለና ሓላፍነት ይስማዓኒ'ዩ"።

ንፈለማ እዋን'ዮም ተመራመርቲ ምልክታት ዲ-ኤም-ኤስ ኣብ ሓንቲ ኣብ ዙርያ ኮኾብ እትዘውር ፕላነት ረኺቦም ዘለዉ።

እንተዀነ፡ ክሳብ ብንጹር ዘረጋግጹ 'ህድእ ንበል. . .' ክብሉ'ዮም ዝምሕጸኑ ዘለዉ። ምኽንያቱ ኣብ 2020 ካልእ ምልክት ህይወት ዝዀነ ሞለኲል ኣብ ፕላነት ቬኑስ ከምዝተረኽበ ምስተገልጸ፡ ኣብ ዓመቱ'ዩ ተቐባልነት ስኢኑ።

ይዅን'ምበር፡ ኣባል ናይቲ ጕጅለ ዘይኰነ ዳይረክተር ሮያል ኣስትሮኖሚካል ሶሳይቲ ኣብ ለንደን ዶ/ር ሮበርት ማሰይ፡ በቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ከምዝተሓጐሰ'ዩ ዝዛረብ።

"ቀስ እናበልና፡ ነቲ ኣብ ኣድማስ በይንና ዲና ኣይኮናን ዝብል ገዚፍ ሕቶ ንምምላስ ተቓሪብና ኣለና።"

"ሓደ መዓልቲ ምልክት ህይወት ክንረክብ ምዃንና ትስፉው'የ። ምናልባት እዚ'ውን ይኸውን ወይ ድማ 10 ወይ 50 ዓመት ተሪፉና ይህሉ ዝበለጸ መደምደምታ ንምሃብ ኣዝዩ ንጹር ጭብጢ እንረኽበሉ።"

ጀምስ ወብ ቴለስኮፕ፡ ነቲ ብሰማያት (ኣትሞስፌር) ናይታ ፕላነት ዝሓልፍ ብርሃን ብምምርማር'ያ ነቲ ዳህሳስ ኣካይዳቶ።

እቲ ብርሃን፡ ኬሚካላዊ ምልክት ናይ ሞለኲላት ኣትሞስፈር ዘለዎ'ዩ።

እቲ ካልእ ነቲ ዜና ዓቢ ኣገዳስነት ዝሃቦ ድማ ራሕቂ ናይታ ፕላነት እዩ። ካብ ምድሪ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ቢልዮን ኪሜ ርሒቓ ስለእትርከብ፡ ናብታ ተለስኮፕ ዝመጽእ ብርሃን ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ።

ብዘይካ ዲ-ኤም-ኤስ እውን፡ ብርክት ዝበለ ጋዛት ሚቴንን ካርቦንዳኦክሳይድን ከምዘሎ ዝገልጽ እኹል ጭብጢ ተረኺቡ'ሎ።

መጠን ናይቲ ዝተራእየ ካርቦንዳይኦክሳይ (CO2) ከምኡ'ውን ሚተይን፡ ማያዊ ውቅያኖስ ኣብ ትሕቲ እቲ ብሃይድሮጅን ዝመልአ ሰማያት ከምዘሎ ዝእምት'ዩ።

ኣህራፊ ምልክት ህይወት

ኣብ ሓደ ፕላነት ዝርከብ ህይወት ኣብ ሰማያቱ ኣብ ዝህሉ መጠን ዋዒ፡ ካርቦንን ፈሳሲ ማይን'ዩ ዝምርኮስ።

ፕላነት K2-18b ድማ ነዚ እተማልእ ምዃኑ'ዩ ትጽቢት ተገይሩላ ዘሎ። ግና፡ ሓንቲ ፕላነት ህይወት ናይ ምስሳን ዓቕሚ ኣለዋ ማለት፡ ህይወት ክነብረላ ይኽእል ማለት ኣይኮነን።

ከምኡ ስለዝዀነ ድማ'ዩ፡ ህላወ ዲ-ኤም-ኤስ ንተመራመርቲ ኣዝዩ ኣህሪፍዎም ዘሎ።

ኣቓልቦ ተመራመርቲ ዝሰሓበትሉ ተወሳኺ ምኽንያት ድማ፡ እታ ፕላነት ከምተን ህይወት ከስስና ትጽቢት ዝግበረለን ምስ ምድሪ ዝመሳሰላ፡ ኣብ ዙርያ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ከዋኽብቲ ዝዘራ ከዋሓት ፕላነታት ዘይምዃና'ዩ።

K2-18b ትሸዓተ ዕጽፊ ናይ ፕላነት ምድሪ እያ።

ዕብየተን ኣብ መንጐ ምድሪን ኔፕቱንን ዝዀና ውጹኣት-ፕላነታት (Exoplanets)- ኣብ ዙርያ ካልኦት ከዋኽብቲ ዝዘራ ኮይነን፡ ካብተን ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዝዘራ ፍልይ ዝበላ እየን።

ብዛዕባ እዘን ፕላነታት እዚአንን ሰማያተንን ክሳብ ሕጂ ዘሎ ፍልጠት ድሩት ምዃኑ ዶ/ር ሳብሃጂት ሳርካር ካብ ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ (ብሪጣንያ) ይገልጽ።

"ዋላ'ኳ ከምዚ ዓይነት ፕላነታት ኣብ ክሊ ስርዓተ-ጸሓይ እንተዘየለዋ፡ ከም ነፕቱን ዝበላ ፕላነታት ኣብ ጋላክሲ ምርካብ ልሙድ'ዩ።"

"ክሳብ ሎሚ ካብ ዝረኣናዮ ክትነብረሉ ዘኽእል ንኡስ-ክሊታታ እቲ ዝነጸረ ረኺብና ኣለና። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሰማያታ ዘሎ ሞለኲላት ንከነጽንዖም ዕድል ፈጢሩልና ኣሎ" ይብል እቲ ተመራማሪ።