ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ኦዲስዮስ ዝተባህለት መንኮርኮር ኣብ ገጽ ወርሒ ዓሊባ

ምንጪ ስእሊ, INTUITIVE MACHINES
ብንግዳዊ ትካል ዝተወንጨፈት ፈላሚት መንኮርኮር ብዓወት ኣብ ገጽ ወርሒ ዓሊባ።
እታ ትማሊ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ወርሒ ዝዓለበት 'ኦዲስዮስ' ዝተባህለት መንኮርኮር ንፈለማ እዋን ብሓደ ‘ኢንትዊትቭ ማሽንስ’ ዝተባህለ ንግዳዊ ትካል ስነጠፈር ዝተወንጨፈት'ያ።
ኣባላት እቲ ትካል፡ ትማሊ ምሸት፡ እታ ንዓመታት ዘዳለውዋ መንኮርኮር ኣብ ወርሒ ከትረግጽ ብተርባጽ ክጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንደቓይቕ ድሃይ ምጥፍኣ ከይተሻቐሉ ኣይተረፉን።
ብዙሕ ከይደንጎየት ከምዝዓለበት ዝገልጽ ምልክት ምስረኸቡ ግን ብጣቒዓት ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም።
እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ፡ ንንግዳዊ ዳህሳስ ጠፈር፡ ከምኡ'ውን ንፕሮግራማት ስነጠፈር ኣመሪካ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ኣመሪካ፡ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለዘመን'ያ በዛ መንኮርኮር ኣቢላ ናብ ገጽ ወርሒ ተመሊሳ ዘላ።
ንመወዳእታ ግዜ ናብ ወርሒ በረራ ዘካየደትሉ እቲ ኣብ 1972 ዝተኻየደ ሚሽን ኣፖሎ እዩ ነይሩ።
ሃገራዊ ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ)፡ ኣብ ኦዲስዮስ ሓደ ክፍሊ ብምክራይ፡ ሽዱሽተ መጽናዕታዊ መሳርሒታት ሰዂዑላ ኣሎ። ኣመሓዳሪ እቲ ትካል ቢል ነልሰን፡ ንትካል ኢንትዩቲቭ ማሽንስ (Intuitive Machines) ዮሃናኡ ብምግላጽ፡ ነቲ ፈላሚ ፍጻመ "ዓቢ ዓወት" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።
"ኣመሪካ ናብ ወርሒ ተመሊሳ'ላ" ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ ናሳ፡ "ሎሚ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ታሪኽ ወዲሰብ፡ ንግዳዊ ኩባንያ- ኣመሪካዊ ኩባንያ- ናብ [ወርሒ] ዝግበር ጉዕዞ ወንጪፉን መሪሑን። ዓቕሚን ተስፋን ንግዳዊ ሽርክነት ናሳ ዘርኣየሉ መዓልቲ ድማ'ዩ" ክብል ሓበኑ ገሊጹ።
ተቖጻጸርቲ እታ መንኮርኮር፡ ናብ ገጽ ምድሪ ከውርዱዋ ዓቢ ብድሆታት ገጢምዎም ነይሩ'ዩ። ሓደ ካብኡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ዘጋጠመ ፍጥነታ ናይ ምፍላጥን ምቁጽጻርን ጸገም'ዩ ነይሩ።
በቲ ምስኣ ዝተማላኣቶ መሳርሒታት ናሳ ግን ብራኸን ፍጥነትን ክግምገም ተኻኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ልክዕ ሰዓት 23፡23 (ጂ-ኤም-ቲ) ኣእጋራ ኣብ ምድረ ወርሒ ረጊጸን።
እቲ ቀንዲ ሻቕሎት፡ ደው ኢላዶ ትኸውን ንጎኒ ወዲቓ ዝብል'ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ብሰንኩ ዝፈሸላ መንኮርኮራት ስለዝነበራ። ፈጠርታ ዕድል ጌሮም ግን ኦዲስዮስ ደው ኢላ ከምዘላ ብዝሰደደቶ ሓበሬታ ኣበሲራ።

ምንጪ ስእሊ, INTUITIVE MACHINES
እቲ ዝዓለበትሉ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ፡ 5 ኪሜ ብራኸ ዘለዎ ጎቦ ሓሊፍካ ዝርከብ 'ማላፐርት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ መዓሙቕ (ክሬተር) እዩ። ኣብቲ ከባቢ ንፈለማ እዋን'ዩ መንኮርኮር ዝዓልብ ዘሎ።
እቲ ቦታ ሓደ ካብቶም ትካል ናሳ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመት ሰባት ከዕልብ መዲብዎም ዘሎ ቦታታት ምዃኑ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ገለ ዓሞቕቲ ቦታታት፡ ዓመት ምሉእ ጩራ ጽሓይ ዘይበጽሖም ኮይኖም፡ ተመራመርቲ ኣብ ውሽጦም በረድ ክህሉ ይኽእሉ'ዮም ዝብልዎም እዮም።
እታ በቲ ኣብ ሁዩስተን (ቴክሳስ) ዝመደበሩ ትካል ጠፈር ዝተሰርሐት መንኮርኮር ኣብቲ ዝዓለበትሉ ክፋል ወርሒ ኣሎ ንዝብሃል በረድ፡ ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ንኣመሪካውያን ጠፈርተኛታት ጸገም ዝፈጠረ ኩነታት ዶሮና ወርሒ ከተጽንዕ ትጽቢት ይግበረላ።
ኦዲስዮስ ብ15 ለካቲት'ያ ካብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መወንጨፊ መደበር ጠፈር ኬፕ ካናቨራል ተወንጪፋ።

ምንጪ ስእሊ, HENRY CLARK
ዛጊት ኣመሪካ፡ ሕብረት ሶቬት፡ ቻይና፡ ጃፓንን ህንድን ጥራይ እየን ኣብ ገጽ ምድሪ መንኮርኮር ከዕልባ ክኢለን ዘለዋ።
ኣብ ሓምለ 1969 ንፈለማ እዋን ናብ ገጽ ምድሪ ዝረገጹ ኣመሪካውያን ጠፈርተኛታት ኒል ኣርምስትሮንግን ባዝ ኣልድሪንን፡ ኣብታ ካብ ምድሪ እነማዕዱዋ ብርሃን ለይቲ ን2 ሰዓትን 31 ደቒቕን ጥራይ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ድሕሪ'ቲ ንብዓል ኣርምስትሮንግ ዝወሰደ ሚሽን ኣፖሎ ናሳ፡ ክሳብ 1972 ኣብ ዝነበረ እዋን ሓሙሽተ በረራታት ናብ ወርሒ ተኻይዶም። እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ኣፖሎ 17 እዩ ነይሩ።
ዛጊት 12 ጠፈርተኛታት ጥራይ እዮም ኣብ ገጽ ወርሒ ብኣካል ክረግጹ ክኢሎም ዘለዉ።
እቲ ብኣርተሚስ ዝፍለጥ ፕሮግራም ናሳ ግን፡ ጠፈርተኛታት ሒዙ ናብ ወርሒ ክምለስ ኣብ ጽዑቕ ምድላው ተጸሚዱ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







