ብጽምዲ ዝንቀሳቐሳ ዝመስላ ኣስታት 40 'ፕላነታት' ተረኺበን

 ኔቡላ ካብ መሬት ኣስታት 1400 ናይ ብርሃን ዓመት ርሒቑ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, NASA/ESA/CSA/MCCAUGHREAN & PEARSON

መግለጺ ስእሊ, ኔቡላ ካብ መሬት ኣስታት 1400 ናይ ብርሃን ዓመት ርሒቝ ይርከብ

ኣብ ጠፈር ብናጻ ዝንሳፈፋ፡ ምስ ዝዀነ ኮኾብ ዘይተኣሳሰራ፡ ክንዲ ጁፒተር ዝዓቐነን "ፕላነታት" ብጀምስ ወብ ስፐይስ ቴለስኮፕ ከም ዝተረኣያ ተገሊጹ።

እዘን “ፕላነታት” ብጽምዲ ዝንቀሳቐሳ ከም ዝመስላ እቲ ርኽበት የመልክት።

ኣብዚ እዋን’ዚ ተመራመርቲ ስነ-ክዋኽብቲ ነዘን ኣካላት ንምግላጽ ተጸጊሞም ይርከቡ።

እታ ቴለስኮፕ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍሉጥ ኦርዮን ኔቡላ ብዘካየደቶ ሓድሽ ዝርዝር ዳህሳስ ኣስታት 40 ጽምዲ "ፕላነታት" ምዕዛባ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

‘ጁፒተር ማስ ባይናሪ ኦብጀክትስ’ ወይ ብሓጺሩ ‘JuMBOs’ ዝብል መጸውዒ ድማ ተዋሂቡወን ኣሎ።

ሓደ ካብቲ ተኽእሎታት፡ እዘን ነገራት እዚኣተን፡ ኣብቲ ናይ ነገራት ጻዕቒ ክዋኽብቲ ንምፍጣር እኹል ዘይኰነሉ ከባቢታት ኔቡላ ዝማዕበሉ እዮም ዝብል’ዩ።

ካልእ ተኽእሎ ድማ ኣብ ዙርያ ከዋኽብቲ ዝተሰርሑ ኰይኖም ድሕሪኡ ብዝተፈላለየ ምትእስሳር ናብ መንጐ ከዋኽብቲ ጠፈር ከም ዝተተፍኡ ዝገልጽ’ዩ።

"እቲ ናይ ምትፋእ ተኽእሎ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝምረጽ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ማርክ ማኮግሪን። ንሱ፡ ነታ ሓድሽ መጽናዕቲ ኦርዮን ዘካየደት ጕጅለ ዝመርሐ ክኢላ’ዩ።

"ናይ ጋዝ ፊዚክስ፡ ርዝነት ጁፒተር ዘለዎም ነገራት ተጠቒምካ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ምስራሕ ከም ዘይከኣል ይሕብር፤ ንጽል ፕላነታት ድማ ካብ ስርዓታት ኮኾብ ክባረራ ክትፍኡ ከም ዝኽእሉ ንፈልጥ ኢና። ግን ከመይ ጌይሩ እዞም ጽምዲ ነገራት ብሓባር ይትፍኡ? ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መልሲ የብልናን። ክልሰ-ሓሳባውያን እውን መልሲ የብሎምን" ክብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሳይንስ ኤጀንሲ ህዋ ኣውሮጳ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ፕላኔታዊ ክብታት፡ ኣብ ኔቡላ ዝርከቡ ሓደስቲ ዝተወልዱ ከዋኽብቲ ቀጻሊ ወለዶ ፕላኔታት ኣብ ምስራሕ ይነጥፉ

ምንጪ ስእሊ, NASA/ESA/CSA/MCCAUGHREAN & PEARSON

መግለጺ ስእሊ, ፕላነታዊ ክብታት፡ ኣብ ኔቡላ ዝርከቡ ሓደስቲ ዝተወልዱ ከዋኽብቲ ቀጻሊ ወለዶ ፕላነታት ኣብ ምስራሕ ይነጥፉ

እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ነቲ ዘደንቕ ርዝነትን ተነቃፍነትን ናይቲ ብዓይኒ ዘይርአ ክፍሊ ዝርጋሐ ብርሃን ጀምስ ወብ ስፔስ ቴለስኮፕ ተጠቒሞም፡ እቲ ድሮ ብዝጸንሓ ቴለስኮፓት ዝተኣከበ ሓበሬታ ክብርኽ ገይሮም ኣለዉ።

እቲ ‘ኤም42’ ብዝብል ዝጽዋዕ ኦርዮን ኔቡላ፡ ናብ መሬት ዝቐረበን ዓቢን ኮኾብ ዝፈጠረሉ ከባቢ እዩ።

እዚ ከባቢ ጠፈር ምስቶም ኣብ ማእከሉ ዝርከቡ ትራፐዚየም ዝበሃሉ ኣርባዕተ ድሙቓት ጸሓያት፡ ኣብ ሰማይ ብዓይኒ ጥራይ ይርአ።

እቲ ሓድሽ ምስሊ ጀምስ ወብ ስፔስ ተሌስኮፕ ብሓቂ ብNIRCam ዝተበሃለ መሳርሒ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዝተኣከቡ 700 ምስልታት ዘጠቓልል እዩ።

ብፍጥነት ብርሃን እትጓዓዝ መንኮርኮር ንብምሉኡ እቲ ምርኢት ንምስጋር ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ምወሰደላ።ኔቡላ ንባዕሉ ካብ መሬት ኣስታት 1400 ናይ ብርሃን ዓመት ርሒቑ’ዩ ዝርከብ።

ኣብቲ ምርኢት ኣሽሓት ንእሽቶ ዝዕድመኦም ከዋኽብቲ ኰይኖም፡ ክሳብ ትሕቲ 0.1 ዕጽፊ ጽፍሒ ጸሓይ ዝሽፍኑ እዮም።

ሞለኪዩላዊ ደበና 1 ኦርዮን

ምንጪ ስእሊ, NASA/ESA/CSA/MCCAUGHREAN & PEARSON

መግለጺ ስእሊ, ሞለኪዩላዊ ደበና 1 ኦርዮን

ብዙሓት ካብዞም ከዋኽብቲ ብጽዑቕ ክብታት ጋዝን ሓመድን ዝተኸበቡ ኰይኖም፡ ፕላነታት እናፈጠሩ ዘለዉ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ይዅን’ምበር ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እዞም ክብታት ብሰንኪ ብርቱዕ ጨረርታ ልዕለ-ሊላን ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ኣዝዮም ገዘፍቲ ከዋኽብቲ ብፍላይ ድማ ካብ ትራፐዚየም ዝመጽእ ሓያል ንፋስን ይዓንዉ እዮም።

ኣብቶም ኣሳእል ምሉእ ጽፍሒ ዘለዎ ናይ መጽናዕቲ ምስሊ ክግበርን ብዙሕ ነገራት ክምርመሩን ኣለዎም።

እንተዀነ ግን ቅጽበታዊ ኣቓልቦ ተመራመርቲ ስነ-ከዋኽብቲ ስሒቦም እዮም።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሳይንስ ኤጀንሲ ህዋ ኣውሮጳ ምሉእ ምስሊ ኣብ መርበቡ ክዝርግሕ እዩ፤ እዚ ድማ ዝዀነ ሰብ ብዕሊ ሓበሬታ ስነ-ከዋኽብቲ ክድህስስ ከም ዘኽእሎ ይሕሰብ።